ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማል ዝተበጽሓ ስምምዕ ምሕዝነትን ምትሕግጋዝን ንኢዱ


ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ሎሚ ሶሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኤርትራን ሶማል ንዞባዊ ሰላምን ምርግጋእን ብሓባር ክሰርሓ ምስምማዕን ከምዘሐጎሶ ብምግላጽ እቲ ውድብ ንጻዕርታት’ቲ ዞባ ንምሕጋዝ ዘለው ድልውነት ደጊሙ አረጋጊጹ።

ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ንወርሒ ሓምለ ኮይኖም ዝተመዘዙ ኣምባሳደር ሽወደን ኦልፍ ስኮግ ድሕሪ ኣኼባ’ቲ ውድብ ኣብ ጉዳይ ሶማል ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብዎ ቃል “ አባላት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ፈደራል መንግስቲ ሶማል ነቲ ኣብ ልዕሊ’ታ ሃገር ተነቢሩ ዘሎ ናይ ኣጽዋር እገዳ ብከፊል ንምልዓል ዘተኣታተዎ ናይ ፖለቲካን ጸጥታን ለውጢን፡ምምሕያሽ ምምሕዳር ኣጽዋርን ንዒዶም” ኢሎም።

ንሶም ብተወሳኺ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ነቲ ኣብ ሓምለ 9,2018 ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ኣዋጅ ሓባራዊ ሰላምን ምሕዝነትን ከምኡ’ውን ክልቲኦም ወገናት ንዞባዊ ሰላም፡ምዕባለን ምትሕብባርን ዘካየድዎ ሓባራዊ ጻዕርታት ምምዓዱ ገሊጾም።

ኣምባሳደር ሶማል ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ኣቡበከር ዳሂር ዑስማን ብወገኖም ሶማል ግዴታ ንምምላእ ንትካላት’ታ ሃገር ዳግማይ ንምምስራትን ለውጢ ንምትእትታው ዘለዋ ተወፋይነት ከተርእይ ጸኒሓ’ያ ኢሎም።

“ጻዕርታትና ቀስ ብቀስ ፍረ ክርከቦም ጀሚሩ’ዩ እንተኾነ ሕጂ’ውን ክንዲ ነቲ ምዕባለ ኣፍልጦ ምሃብ ብዛዕባ’ቲ ገና ዘይተጎናጸፍናዮ ንንቐፍ ኣለና። ክእለትና ገና ኣብ ናይ መጀመርያ ደረጃ’ዩ ዘሎ ነኸነዕብዮ ድማ ደገፍን አጋርነትን እዚ ቤት ምኽሪን ተሓጋገዝቲ አካላት የድልይ’ዩ።”

ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ
ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ

ቀዳማይ ጸሓፊ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት አቶ ነቢል ስዒድ: እቲ ቤት ምኽሪ ንሰላምን ጸጥታ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ንምግባር ካልእ ዕድል ክሓልፎ የብሉን ድሕሪ ምባል ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ሓደጋ ዘሎ ተአማንነት’ቲ ቤት ምኽሪ ብዜጋታት እቲ ዞባ’ዩ ኢሎም።

“ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ተነቢሩ ዘሎ እገዳ ብቕልጡፍን ብዘይ ዝኾነ ቕድመ ኹነት ብምልዓል እቲ ቤት ምኽሪ ዜጋታት ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብሰላምን ብዕዉት ቑጠባ ብሓባር ክነብሩ ንዘለዎም ንድልየት ከምዝድግፍን ኣወንታዊ መልእኽቲ ከሕልፍ ኣለዎ። ብተወሳኺ እቲ ቤት ምኽሪ ንዕንቕፋታት ብምዕላይ ኣብቲ ኣጸጋሚ ዝኾነ ዞባዊ ውሕደት ከሳልዮም ድልውነቱ ይገልጽ።”

ኣብ ወርሒ ግንቦት አቦ መንበር ኮሚተ እገዳ ኤርትራን ሶማልን ዝኾኑ ኣምባሳደር ካርዛኪስታን ኣብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ካረት ኡምራቭ ንጅቡቲ፡ኬንያ፡ሶማልን ኢትዮጵያን ኣብ ዝበጽሕሉ ናብ ኤርትራ ክበጽሑ ዘይምኽኣሎም ይዝከር።

XS
SM
MD
LG