ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣሜሪካ፡ ብምክንያት ሞት መበል 41 ፕረዚደንት ነበር ጆርጅ ኤች ቡሽ ረቡዕ መዓልቲ ሓዘን ክከውን አዊጃ


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ዶናልድ ትራምፕ ብሞት ኣብ 94 ዕድሚኦም ዝዓረፉ መበል 41 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ኤች ቡሽ ድሕሪ ጽባሕ ረቡዕ ሃገራዊ ናይ ሓዘን መዓልቲ ክከውን ኣዊጆም።ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ዳብሊው ቡሽ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ኮይኖም ዘገልገሉ ጄሚስ ቤከርን ሚንስተር ምክልካል ዝነበሩ ድሓር ድማ ምኽትል ፕረዚዳንት ኮይኖም ዘገልገሉ ዲክ ቸኒን ብዛዕብኦም ዝሃብዎ ቃልን ታሪኽ ህይወቶምን ነዚ ይመስል ኔሩ።

ኣብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ቡሽ ሚንስተር ጉዳያት ወፃኢ ዝነበሩ ጄሚስ ቤከር ቡሽ ኣዚዮም ብሉፅ ፕረዚዳንት ነይሮም ይብሉ።

“ሓደ ንኡድ ባህሪኦም ሞሳ ዝተሰርሐ ስራሕ ንካልኦት ሰባት ምሃብ እዩ።ኣተዓባብይኦም ከምኡ ስለዝኾነ ከምኡ ይሰርሑ።ዝፈፀምዎ ተግባራት እንተሪኢና ብሉፅ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እዮም ነይሮም።ብፍላይ ድማ ኣብ ዓውዲ ፖሊሲ ጉዳያት ወፃኢ።”

ጆርጅ ኤች ቡሽ ፕረዚደንት ኣብዝነበርሉ እዋን ሚንስትር ምክልኻል ዝነበሩን ኣብ እዋን መሪሕነት ወዶም ድማ ምኽትል ፕረዚዳንት ዝነበሩን ዲክ ቸኒ እውን ቡሽ ዓብይ መራሒ ነይሮም ክብሉ ገሊፆምዎም ኣለው።

“ብዛዕባ ናይ ወፃኢ ሃገራት መራሕቲ ዝነበሮም ኣፍልጦም፣ንሰራዊትና ዝነበሮም ርድኢት፣ንሰራዊት ንምድጋፍ ዝነበሮም ድልውነት፣ኣብ ወሽመጥ ባሕሪ መጥቓዕቲ ቅድሚ ምፍናውና ክማልኡልና ዘደለናዮም ዝርዝራት ኣቕሪብና ንኹሎም ኣፅዲቖምልና።ዓብይ መራሒ ነይሮም።”

ኣቦ መንበር ሓባራዊ ሓይልታት ኣሜሪካን ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታን ዝነበሩ ኮሊን ፓወል መበል 41 ፕረዚዳንት ኣብ ካልኣይ ኲናት ውግእ ዓለም ኣብራሪ ነፋሪት ሓይሊ ባሕሪ ዝነበሩ፣ሳዕቤን ኲናት ዝፈልጡን ኣብ ኲናት ወሽመጥ ሓይሊ ንዘይምጥቃም ዝፈተኑን ነይሮም ክብሉ ይገልፁዎም።ጽፉፍ ህይወት ዝመርሑ፣ሓቀኛን ትሕቱን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ድማ ቅድሚ ኩሉ ንረብሓ ህዝቢ ኣሜሪካ ደው ዝበሉን እዮም ኢሎም።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ቨርጂኒያ መምህር ፖለቲካዊ ሳይንስን ዳይሬክተር ማእኸል ፖለቲካን ላሪ ሳባቱ ቡሽ እታ ሃገር ኣብ ሓደ ናይ ስልጣን እዋን ካብዘገልገሉዋ ብሉፃት ፕረዚዳንትታት ሓደ እዮም ክብሉ ይገልፁዎም።

“ብርግፅ ዕውት ምንባሮም ንድሕሪት ምልስ ኢልና ሎሚ ክንሪኦ ንኽእል ይመስለኒ።ከዘራርብ ይኽእል ይኸውን ግን ካብ ዝነበሩና ናይ ሓደ እዋን ፕረዚዳንታት እቶም ዝበለፁ ነይሮም።”

ንስርዓት ኣሜሪካን ክብሪ ፕረዚዳንትነትን ብልዑል ናእዳ ዝሪኡ፣ስልጡንን ንሰብ ድማ ጥዑይን ነይሮም፤ሎሚ ግዜ ተለዊጡ ብፍላይ ድማ ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ፕረዚዳንት ጆርጅ ኤች ቡሽን ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ስልጣን ዝርከቡ ፕረዚዳንትን እቲ ንፅፅር ንምርዳእ ቀሊል እዩ ይብሉ።

ሪፓብሊካዊ ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ቡሽ ካብ 1989 ክሳብ 1993 ዘገልገሉ ክኾኑ ከለው ወረርቲ ወታደራት ዒራቕ ካብ ኩዌት ብምውፃእ ይፍለጡ።

ቡሽ ዓለምለኸ ጥምረት ብምፍጣር መጥቓዕቲ ምስጀመረ ከምዚ ኢሎም ነይሮም።

“ቅድሚ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናይ ዒራቕ ፕረዚዳንት ሳዳም ሑሴን እዚ ጨካን ኲናት ኣብ ልዕሊ ኩዌት ጀሚሩዎ።ሎሚ ምሸት ነቲ ውግእ ተፀምቢርናዮ ኣለና።”

ብኣሜሪካ ዝተመርሐ ስርሒት ማዕበል በረኻ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ሰሙናት ንሓይልታት ዒራቕ ደፊኡ ምስኣውፅኦ እቲ መጥቓዕቲ ጠጠው ኢሉ።ብዙሓት ግዚኡ ከይኣኸለ ደው ዝበለ ኲናት ክብሉ ነቲ ውሳነ ይነቕፉዎ።

ቡሽ ምኽትል ፕረዚዳንት ሮናልድ ሬገን ብምዃኑ ንኽልተ ናይ ስልጣን ዘመን ድሕሪ ምግልጋሎም ኣብ 1989 እዮም ንሬገን ተኪኦምዎም።

ኣብ ናይ ወፃኢ ፖሊሲ ዓብዪ ዓወትን ተቐባልነትን እንተነበሮም እውም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገሮም ብሰንኪ ግብሪ ብዙሓት ዕጉባት ኣይነበሩን።

ኣብ 1992 ዓ.ም ንካልኣይ ናይ ስልጣን ዘመን ተወዳዲሮም ብቢል ክሊንተን ምስተስዓሩ ካብ ፖለቲካ ጡሮታ ብምውፃእ ኣብ ቴክሳስ ምንባር ጀሚሮም።ካብ ህዝቢ ግን ዝተኸወሉ ኣይነበሩን።ድሕሪ ሸሞንተ ዓመታት ኣብ ናይ ወዶም ፕረዚዳንታዊ ምርጫ ተንቀሳቒሶም እዮም።ስለ ወዶም ጆርጅ ቡሽ ከምዚ ክብሉ ወፍሪ ገይሮምሎም ነይሮም።

“እዚ ቆልዓ እዚ፣እዚ ውላድና ኣየሕፍረኩምን እዩ።ክሳብ መወዳእታ ምሳኹም ተጓዒዙ፣ ክሳብ መወዳእታ ፣ ብዓብዪ ክብሪ ከገልግለኩም እዩ።”

ኣብ 2005 ብሕቶ ውላዶም ፕረዚዳንት ጆርጅ ቡሽ ኣብ ሓደ እዋን መቀናቅንቶም ምስ ዝነበሩ ቢል ክልንቴን ብሓባር ኮይኖም ንፃዕርታት ረድኤት ህቦብላ ካትሪና ሓጊዞም።

ካብ ዝተውሃቡዎም ብዙሓት ሽልማታት ካብ ናይ ብሪጣንያ ንግስቲ ኤልሳቤትን ካብ ፕረዚዳንት ባራክ ኦባማ ዝተበርከተሎም ናይ ነፃነት መዳሊያን ይግለጹ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG