ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

መበል 41 ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ቡሽ ዓሪፎም


ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጆርጅ ኤች ዳብሊው ቡሽ ትማሊ ኣብ መበል 94 ዕድሚኦም ኣብ መንበሪ ገዝኦም ኣብ ሁስተን ቴክሳስ ዓሪፎም።

ፕረዚደንት ጆርጅ ኤች ቡሽ ካብ 1989- 1993 መራሒ ሃገር ኮይኖም ዘገልገሉ ክኾኑ ከለው ንኩዌት ካብ ወራሪ ሰራዊት ዒራቕ ብምድሓኖምን ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ሰላም ብዘበርከትዎ ተራን ዝያዳ ይዝከሩ።

ፕረዚደንት ጆርጅ ቡሽ ወዶም መራሒ ሃገር ክኾኑ ዝረአዩ ካልኣይ ፕረዚደንት ኣሜሪካ እዮም።

በዓልቲ ቤቶም ባርባራ ፒርስ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ እዚ ዓመት'ዚ ምዕራፈን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG