ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣመሪካ ኣብ ኬንያ ዝተፈረመ ስምምዕ ደገፋ ብምግላጽ ቅልጡፍ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ክምለስ ትጽውዕ


ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ
ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ

ብቐዳም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ዝተፈረመ ስምምዕ ምፍታሕ ዕጥቂ፡ ምምላስ ማሕበራዊ ኣገልግሎታትን ምትግባር ዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት ኣመሪካ ብሓጐስ ከም እትቕበሎ ወሃብ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ነድ ፕራይስ ገሊጹ። ንስምምዕ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ሃገሩ ዘለዋ ምሉእ ደገፍ ዝገለጸ ፕራይስ፡ እቲ ተፈሪሙ ዘሎ ስምምዕ ተግባራዊ ንክኸውን ኣብቶም ብዂናት ተሃይሶም ዘለዉ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ቅልጡፍ ምምላስ ህዝባዊ ኣገልግሎት ክግበር ኣዘኻኺሩ።

ንሰራዊት ፈደራል መንግስቲ መሪሑ ውዕል ዝፈረመ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ-ኣበብ ኣብ ዝሃቦ ቃል ነቲ ስምምዕ ኣብ ምትግባር ክሰርሑ ምዃኖም ኣመልኪቱ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሎሚ መቐለ ምእታዎም ዘመልከተ ንውድብ ህወሓት መሪሑ ኣብቲ ስምምዕ ዝቐነየ ኣይተ ጌታቸው ረዳ፡ ኣብ ናይ ትዊተር መልእኽቱ፡ “እቲ ተሪፉ ዘሎ ቀሊል ዘይኰነ መገዲ ነቲ ዝኸተምናዮ ስምምዕ ኣብ ግብሪ ምውዓሉ’ዩ” ክብል ጽሒፉ።

ብፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላን ኣዛዚ ሓይልታት ትግራይ ሌተናል ጀነራል ታደሰ ወረደን ብቐዳም ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ዝተፈረመ በዓል ሽዱሽተ ኣዕኑድ ስምምዕ 1. ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት 2. ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት 3. ምክልኻል ድሕነት ሲቪላውያን ዜጋታት 4. ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ 5. ምክትታል ንትግባረ ስምምዕን 6. ተራ መራኸቢ ብዙሃንን ዘጠቓለለ’ዩ።

XS
SM
MD
LG