ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ውዕል ናይሮቢ ፈሪሞም


ከም መቐጸልታ ናይቲ ኣብ ፕሪቶሪያ ደቡብ-ኣፍሪቃ ዝተፈረመ ስምምዕ ንዘላቒ ሰላምን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን፡ ኣብ ናይሮቢ ክዛተዩ ዝቐነዩ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ፈደራላዊ መንግስቲን ህወሓትን ሎሚ ስምምዕ ፈሪሞም።

እቲ ብወገን ፈደራላዊ መንግስቲ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ፡ ብወገን ወታሃደራዊ ኣዛዚ ህወሓት ድማ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ዝተኸተመ ስምምዕ፡ መቓን ግዜ ምፍታሕ ዕጥቂን ምምላስ ናብ ሲቪላዊ ህይወት ምስ ህወሓት ተጸንቢሮም ዘለዉ ተቓለስቲ፡ ምምላስ ንቡር ህዝባዊ ኣገልግሎት ናብ ክልል ትግራይን ነባሪ ምቍራጽ ተጻብኦታትን ዝምልከት’ዩ።

ስምምዕ ናይሮቢ ሽዱሽተ ኣዕኑድ ዝሓቘፈ ኰይኑ፤ 1. ንዘላቒ ምቍራጽ ተጻብኦታት 2. ምፍታሕ ዕጥቂ ሓይልታት ህወሓት 3. ምክልኻል ድሕነት ሲቪላውያን ዜጋታት 4. ምብጻሕ ሰብኣዊ ሓገዝ 5. ምክትታል ንትግባረ ስምምዕን 6. ተራ መራኸቢ ብዙሃንን ዘካተተ’ዩ።

ብመሰረት ሎሚ ቀዳም ዝተኸተመ ስምምዕ፡ ናብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ክኣቱ፡ ኣብቲ ስራሕ ንዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ውሕሰነት ጸጥታ ክወሃብ፡ ብኽልተ ኣካላት ዝተጣየሰ ወገን ድማ ነቲ ከይዲ ክዕዘብን ምትግባሩ ክከታተልን ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ብመሰረት ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ፈደራል መንግስቲ ንክልል ትግራይ ዝኸውን ውሕስነት ጸጥታ ክህብ እንከሎ፡ ሓይልታት ህወሓት ድማ ብረቶም ኣውሪዶም ናብ ሲቪላዊ ህይወት ንምምላስ በብደረጃኡ ዝተቐመጠ ኰይኑ፡ ሰሉስ 15 ሕዳር ነቲ መስርሕ ክጅምር ተሰማምዖም ኣለዉ። ድሕሪ ናይ 15 ሕዳር ቀዳማይ ርክብ፡ ምፍታሕ ዕጥቂ በብደረጃኡን፡ ድሕሪ ኣርባዕተ መዓልታት ናይቲ ቀዳማይ ርክብ ምስ ሰራዊትን ኣዘዝቶምን ክኸውን ኣብቲ ስምምዕ ተፈሪሙ ኣሎ።

ንትግባረ እቲ ተበጺሑ ዘሎ ስምምዕ ብኣላይነትን ተዓዝብነት ሕብረት ኣፍሪቃ ክኸውን እቲ ዝተፈረመ ውዕል ይጠቅስ።

ሰኑይ ጀሚሩ ሎሚ ቀዳም ዝተዛዘመ ርክብ ላዕለዎት መራሕቲ ብኣላይነትን ኦሊሰጎን ኦብሳንጆን ኡሁር ኬንያታን፡ ብቐንዱ ድማ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃን ተዓዛብነት ካልኦት ኣካላትን’ዩ ክካየድ ቀንዩ።

ክልቲኦም ወገናት ዝቆጻጸሩዎ መራኸቢ ብዙሃን፡ ተዃታዂ ቃና ከውግድ ድማ ስምምዕ ናይሮቢ ይሕብር።

XS
SM
MD
LG