ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ ፈረንሳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተድኽየን’ላ ክትብል ከሲሳ


ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ሉውጂ ዲ ሞ
ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ሉውጂ ዲ ሞ

ፈረንሳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተድኽየን’ላ ክብሉ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ድሕሪ ምዝራቦም ኣብ መንጎ ክልቲኣን ሃገራት ምስሕሓብ ተፈጢሩ’ሎ።

እዚ ኣብ ሕምብርቲ ኣውሮጳ ዝተራእየ ምስሕሓብ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ስደተኛታት ካብ ሊብያ ናብ ኣውሮጳ ንምእታው ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ኣብ ዝሞትሉ እዩ።

እቲ ድሮ ዝሒሉ ዝነብረ ዝምድና ኢጣልያን ፈረንሳን ዝገደደ ዛሕቲሉ’ሎ : ፈረንሳ ድሕሪ ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ፈረንሳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተድኽየን አላ ምባሎም ንኣምባደር ኢጣልያ ጸዊዓ መብርሂ ሓቲታ’ላ።

እቶም ምክትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢጣልያ ሉውጂ ዲ ሞዮ ፈረንሳ ን14 ሃገራት ተዛረብቲ ቋንቋ ፈረንሳ ተድክየን አላ ሰባት’ውን ናብ ኣውሮጳ ክሃድሙ ይገብርዎም ኣለው ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢጣልያ ፈረንሳ ንሃገራት ኣፍሪቃ ተድኽየን’ላ ክትብል ከሲሳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:50 0:00

XS
SM
MD
LG