ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢጣልያ: ኣብ ናይ ጀርመን መርከብ ዝጸንሑ 89 ስደተኛታት ክራገፉ ፈቒዳ


ብናይ ጀርመን ሰብኣዊ ጉጅለ እትውነን መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ድሒኖም ኣብ ገማግም ደቡባዊ ኢጣልያ ዝነበሩ 89 ስደተኛታት ናብታ ሃገር ክኣትው ከምዝተፈቐደሎም ተገሊጹ።

ትካል ‘ሚሽን ላይፍላይን’ ኣብ ዝዘርገሖ ቪድዮ ኣብታ መርከብ ዝነበሩ ኩሎም 89 ስደተኛታት ካብታ’ታ መርከብ ንክራገፉ ከምዝተፈቀደሎም’ውን እቲ ዜና ይገልጽ።

ብሰንኪ ከቢድ ኩነታት ባሕሪ ናብ ማያዊ ግዝኣት ኢጣልያ ብዘይፍቓድ ዝኣተወት እታ መርከብ ንመዓልታት ኣብቲ ገማግም ምጽንሓ ይፍለጥ።

ሓዳስ ቀ/ሚ ኢጣልያ ጂኦርጅያ መሎኒ፣ ነቶም ብማእከላይ ባሕሪ ኣቢሎም ናብ ኢጣልያ ክኣትው ዝፍትኑ ስደተኛታት ንዝሓዛ መራኽብ ኣይቅበልን ከምዝበለት ዝዝከር እዩ።

እዚ ከምዚ'ሉ ከሎ፣ ክልተ ጀላቡ ዘይመንግስታዊ ትካላት፣ እታ ሓንቲ ምስ 35 ስደተኛታት እታ ካልኣይቲ ድማ ምስ 214 ሰባት ኣብ ካታላን ኣትየን ኣለዋ።

ራብዐይቲ መርከብ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ሲሲሊ 234 ሰባት ሒዛ ንኣስታት ክልተ ሰሙናት ቀንፈዘው ትብል ከምዘላ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG