ዋሽንግተን —
ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ስደተኛታት ሒዛ ናብ ወደብ ሲሲሊ ተጸጊዓ ዝነበረት መርከብ ክትምለስ ተኣዚዛ።
'ሁማኒቲ 1' ዝተባህለት መርከብ ጀርመን ክትምለስ ዝተኣዘዘት 179 ሰደተኛታት ሒዛ መጺኣ እቶም 144 ክወርዱ ምስተፈቕደሎም`ዩ።
ካፒቴን እታ መርከብ ኣይምለስን ይብል ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻብ ኣሶሸይትድ ፕረስ ካልኦት 91 ሰባት ዝሓዛ ሰለስተ መራኽብ`ውን ብፖሊስ ኢጣልያ ናብቲ ወደብ ከይኣትዋ ተዓጊተን ኣለዋ። በዓል ስልጣን ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ጁልያ ሆል ድማ ሕጊ ባሕሪ ንጹር`ዩ ካብ ባሕሪ ዝደሓኑ ኩሎም ኣብ ውሑስ ቦታ ክራገፉ ኣለዎም ኢላ።
ካልእ ብዶብ ኣልቦ ሓካይም ትምራሕ መርከብ ድማ ትማሊ ሰንበት ኣብ ካታኒያ ኣትያ`ላ፡ ካብቶም ኣብኣ ዝነበሩ 572 ስደተኛታት 357 ክኣትዉ ተፈቒድሎም ኣሎ።ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ኢጣልያ ኣብ ምግሃስ መሰል'ቶም ስደተኛታት ምስ ሰበ-ስልጣን ሊብያ ምትሕብባራ ዘሕዝን`ዩ ይብል።