ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ፈላማይ ሳተላይት ናብ ጠፈር ወንጪፋ


ኢትዮጵያ ፈላማይ ሳተላይት ናብ ህዋ ወንጪፋ።እታ ሳተላይት ሎሚ ዓርቢ ካብ ናይ ቻይና ማእኸል ናብ ጠፈር ተወንጪፋ’ላ።

ሰበስልጣን ኢትዮጵያን ቻይናን፣ ተመራመርቲን ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝርከብ ማእኸል መዐዘብን ምርምርን እንጠጦ ነቲ ናይታ ሳተላይት ምውንጫፍ ብናይ ርሕቐት መቆፃፀሪ ሳተላይት ብቐጥታ ተኸታቲሎምዎ ኣለው።

ምውንጫፍ ፈላማይቲ ሳተላይት ኢትዮጵያ ናብ ጠፈር
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:15 0:00


ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ደመቀ መኮነን ኣብቲ ስነስርዓት ኣብዘስምዕዎ መደረ “እዚ ናብ ብልፅግና እንገብሮ ታሪኻዊ ጉዕዞና መሰረት እዩ’’ኢሎም ።

ዋና ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሳይንስ ህዋን ቴክኖሎጂን ኢትዮጵያ ሰለሞን በላይ ንሮይተርስ ኣብዝሃብዎ ቃል ቻይና ንመብዛሕትኡ ወፃኢ ህንፀት ናይታ ሳተላይት ከምዝሸፈነቶ ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG