ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልኻል መዚዛ


ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሓደስቲ አባላት ካቢነ መዚዞም፡ መዝነት ነባር አባላት ድማ ቀይሮም።

ቀ/ሚ አብይ ኣሕመድ ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ዘካየድዎ ምምዛዝ አባላት ካቢነ ነቲ ኣቐዲሙ ዝነበረ 28 ቤት ዕዮ ሚንስትሪታት ናብ 20 ብምጉዳልን ፍርቂ ካብቲ ቤት ዕዮታት ዝመርሓ 10 ደቂ ኣንስትዮ መዚዞም።

ኣፈኛ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝነበራ ወ/ሮ ሙፍርየት ካሚል ሓድሽ ንዝተመስረት ሚንስትሪ ሰላም ሚንስተር ኾይነን ተሸይመን’ለዋ።

ንኣቐዲመን ሚንስተር ህንጻ ዝነበራ ወ/ሮ ኣይሻ መሓመድ ድማ ኣብ ታሪኽ’ታ ሃገር ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልኻል ኾይነን ተሸይመን።

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ሓደስቲ ሚንስተራት ሕርሻ፡ ባህልን ቱሪዝምን፡ ትምህርቱ፡ ዕዮ፡ ማዕድን፡ዕብየትን ውጥንን፡ አታዊ ውሽጢ ሃገር፡ሳይንስ፡ንግዲ፡መጉዓዝያ፡ ምምዕባል ከተማታትን ጉዳያት ደቂ ኣንስትዮን መዚዞም’ለዉ።

ካብ መዝነቶም ዘይተቐየሩ ሚንስተራት ድማ ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ ሚንስተር ጥዕና ኣቶ ኣሚር አማን፡ ሚንስተር ማይን ሓይሊ ጸዓንትን ኣቶ ስለሺ በቀለ ከምኡ’ውን ሚንስትር ኣኽባሪ ሕጊ ኣቶ በርሃኑ ጸጋይ እዮም።

ነዚ ሓድሽ መዝነት ሚንስትራት ብዝምልከት ምስ ወኪል ድምጺ ኣሜሪካ ሙሉጌታ አጽብሃ ዝተኻየደ ቃለ መጠይቕ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ኢትዮጵያ፡ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ሚንስተር ምክልኻል መዚዛ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:09 0:00

XS
SM
MD
LG