ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ፡ ኣብ መጥቓዕቲ ቦምብ ሰልፊ ወርሒ ሰነ ተጠርጢሮም ዝተአስሩ 10 አባላት ፖሊስ ብዋሕስ ክፍትሑ ተወሲኑ


ንቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ንምድጋፍ ኣብ ኣደባባይ መስቀል 16 ሰነ 2010 ዓ.ም ኣብዝተዳለወ ሰልፊ ብዝተፈፀመ ናይ ቦምብ መጥቓዕቲ ብዝተኣሳሰረ ተኣሲሮም ዝፀንሑ ምክትል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ግርማ ካሳ ሓዊሱ 10 ኣባላት ፌደራል ፖሊስ ብዋሕስ ክፍትሑ ፌደራል ቤት ፍርዲ ውሳነ ኣሕሊፉ።

እቲ ቤት ፍርዲ ብሸለልትነት ጉድለት ስራሕ ፈፂሞም ብዝብል ተጠርጢሮም ዝነበሩ ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ካሳን 10 ካብ ኮማንደር ክሳብ ሳጂንነት ማዕረግ ዘለዎምን ኣባላት ፖሊስ ክኾኑ ከለው ምኽትል ኮሚሽነር ግርማ ካሳ ብ15 ሽሕ ብር ካልኦት ኣባላት ፖሊስ ድማ ካብ 9 ክሳብ 6 ሽሕ ብር ብምትሓዝ ንክፍትሑ ቤት ፍርዲ ኣዚዙ።

16 ሰነ ብዝተፈፀመ መጥቓዕቲ ብቐጥታ ተሓተቲ እዮም ኣብ ልዕሊ ዝተባህሉ ተጠርጠርቲ ዓቃቢ ሕጊ ክሲ ንከቕርብ ቤት ፍርዲ መዓልቲ ፈሊዩ ኣዚዙ’ሎ።

XS
SM
MD
LG