ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ሓጽቢ ሕዳሴ ምዝዛማ ትሕብር


ካብ ሓጽቢ ሕዳሴ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ምምንጫው ትማሊ ወግዓዊ ዝገበረት ኢትዮጵያ፡ ንሳልሳይ እብረ እቲ ሓጽቢ ምምላኣ’ውን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ሓቢሮም። ብዛዕባ’ቲ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ኣብ ቴለቪዥን ዝገለጹ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ “ፈለግ ኣባይ ኣምላኽ ንኢትዮጵያ ዝሃባ ህያብ’ዩ፡” ክብሉ ጠቒሶም።

ደጋጊመን ቅሬታአን ከስምዓ ዝጸንሓ ግብጺን ሱዳንን በዚ ሓድሽ ዜና ዝያዳ ክቝጥዓን ኣብ መንጎ ዘሎ ዝምድና ድማ ክገድድ ከም ዝኽእልን ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳይ ይጠቅስ። ተስዓን ሸውዓተን ሚእታዊት (97%) ማያ ካብ ፈለግ ኒል እትጥቀም ግብጺ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ንሳልሳይ ምምላእ እቲ ሕጽቢ ዘለዋ ተቓውሞ ንባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣስሚዓ ነይራ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ግን በቲ ሳልሳይ እብረ ምምላእ ሱዳንን ግብጺን ከም ዘይጽለዋ ጠቒሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG