ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያ ካብ ካልኣይ ተርባይን ግድብ ህዳሴ ሓይሊ ጸዓት ምምንጫው ምጅማራ ሓቢራ


ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ
ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ

375 ሜጋዋት ናይ ምምንጫው ዓቅሚ ዘለዎ ካልኣይ ተርባይን ግድብ ህዳሴ ኢትዮጵያ ሎሚ ስርሑ ከምዝጀመረ ተፈሊጡ።

እቲ ካልኣይ ተርባይን ስርሑ ዘጀመሩ ቀ/ሚ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ እቲ ግድብ ዝርከበሉ ደረጃ፣ ምዕባለ ኢትዮጵያ ዓጋቲ ከምዘይብሉ ሓባሪ እዩ ኢሎም።

ጽውጽዋይ ዝነበረ ግድብ ህዳሴ ናብ ክውንነት ምልዋጡ ዘኹርዕ እዩ ዝበሉ እቶም ቀ/ሚ፣ ንኩሎም ኢትዮጵያዊያን እንኳዕ ኣሓጎሰኩም ኢሎም። ንሶም ወሲኾም ሱዳንን ግብጽን፣ ካብ ልዝብ ወጻኢ ዝወስድዎ ዝበልዎ ካልኦት ኣማራጺታት ከምዘየዋጸአን ተረዲኤን፣ ናብ ልዝብ ንክዳለዋ’ውን ኣተሓሳሲቦም።

ግብጺን ሱዳንን፣ እቲ ግድብ ዝተፈላለዩ ጉድኣታት ከስዕበልና እዩ ብምባል ተቓውሞኣን ከስምዓ ምጽንሓንን ግብጺ ንሳልሳይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ዝቃወም መግለጺ ኣብ’ዚ ቀረባ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕ/ሃ ከምዝላኣኸት ይዝከር።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሳልሳይ ዙር ምምላእ እቲ ግድብ ይቅጽል ከምዘሎ ዝጠቀሱ ኣካያዲ ስራሕ’ቲ ግድብ ኢንጂነር ክፍሌ ሆሮ፣ ህንጸት’ቲ ግድብ ኣብ ውሽጢ ዝቅጽላ ክልተ ዓመታት ክዛዘም ምዃኑ'ውን ሓቢሮም።

XS
SM
MD
LG