ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

46 ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ምጥሓሎም ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣፍሊጡ


“ብመሰረት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት 37 ደቂ ተባዕትዮ፡ 9 ደቂ ኣንስትዮ ዝርከብዎም 46 ስደተኛታት ከምዝጠሓሉን ካልኦት 16 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ብጠቕላላ 83 ደቂ ተባዕትዮን 17 ደቂ ኣንስትዮ ስደተኛታት ኣብታ ጀልባ ተጻዒኖም ምንባሮም” መግለጺ ናይ ሕቡራት ሃገራት ትካል ስደተኛታት ሓቢሩ’ሎ።

“ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ብዝሃብዎ ቃል መሰረት ማዕበል ነታ ጀልባ ማዕበል ክሃርማ ምስ ጀመረ ናይ ህይወት አድሕን ጃኬት ዘይነበሮም ስደተኛታት ክርበሹ ከምዝጀመሩን እታ ጀልባ ምስ ተገልበጠት ድማ ጥሒሎም” ክብል መግለጺ ትካል ስደተኛታት ሕ/ሃገራት ብተወሳኺ ይሕብር።

አባላት ዓለምለኸ ትካል ሰደተኛታት ነቶም ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ናይ ሕክምናን መግቢን ሓገዝን ከምኡ’ውን ናይ ሞራል ደገፍ ከምዝተገበርሎም ገሊጾም።

እቶም ስደተኛታት ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ኮይኖም ዝሓሸ ናብራ ንምርካብ ናብ የመንን ወሽመጥ ዓረብን የምርሑ ከምዝነበሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ሓላፊ ክፍሊ ስርሒታትን ህጹጽ ሓገዝ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት መሓመድ ዓብደልኪር ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ልዕሊ 7,000 ስደተኛታት ነዚ ሓደገኛን አሰቃዊ ጉዕዞ ከምዝፍጽሙ ብምግላጽ እቲ ትካል ናብ ሃገሮም ንዝምለሱ ስደተኛታት ነጻ ናይ መጉዓዝያ ኣገልግሎት ከምዝህብ ሓቢሮም።

ወሃቢ ቃል ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ሊዮናርድ ዶይል ብዛዕባ’ዚ ከምዚ ኢሎም።

“አባላት ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናብቲ ቦታ ሓደጋ ማለት ገማግም ባሕሪ የመን ምስ ተጸውዑ ነዚ ኣሰቃቂ ኩነት ተዓዚቦም። ኣስታት 56 ስደተኛታት ብዘሕዝን ኣገባብ ጥሒሎም ኣለው፡ ካልኦት 16 ድማ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ ኣለው። እዚኦም ካብ ሶማል ተበጊሶም ናብ የመን ዘምርሑ ዝነበሩ ስደተኛታት እዮም።”

ብተመሳሳሊ ካብታ ብኹናት ሓድሕድ ትሕመስ ዘላ የመን ኣብዚ ሰሙን’ዚ 101 ዝኾኑ ኢትዮጵያዊያን ስደተኛታት ብመንገዲ ዓለምለኸ ትካል ስደተኛታት ናብ ሃገሮም ምምላሶም ይዝከር።

ኣቐዲሙ ትማሊ ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረባ ኢትዮጵያዊት መንእሰይ ሰብለ ካብ የመን ኩነታት እቶም ካብ ወደባይት ከተማ ሁዴይዳ ናብ ጅቡቲ ዝተወስዱ ስደተኛታት ዘተሓሳስብ ምኳኑ ብምግላጽ እቲ ኣብ የመን ዝካየድ ዘሎ ኩናት ናብ ዋና ከተማ ሰንዓ ክበጽሕ ከምዝክእል ስግኣታ ትገልጽ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG