ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኢትዮጵያን ሶማልን በዓል 10 ነጥቢ ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኣን


ድሕሪ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሓመድ ኣብ ኢትዮጵያ ዝፈጸምዎ ወግዓዊ መገሻ፣ ክልቲኤን ሃገራት፣ በዓል ዓሰርተ ነጥቢታት ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኤን።

ብመሰረት’ዚ፣ ርክብ ክልቲኤን ሃገራት ክሕይል፣ ኣብ ሶማል ህድኣትን ህንጸት ሃገርን ንክዕወት መስዋእቲ ንዝኸፈል ዝበልዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ከምዝንእዱ፣ ኣብ ልዕሊ ሽብርተኛነትን ጽንፈኝነትን ሓቢሮም ክሰርሑ፣ ናይ ወጻኢ ምትእትታው ምጎድል፣ ነቲ ዞባ ኣጓኒፍዎ ዘሎ ሓደጋ ደርቂ ዞባዊ ምትሕብባር ክገብሩ፣ ኣብ ርክብ ንግዲን ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ክሕይል ዝብሉን ካልኦትን ኣብ’ቲ መግለጺ ተጠቂሱ ኣሎ።

ነቶም ፕረዚደንት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝተቀበልዎም ቀ/ሚ ኣብዪ ኣሕመድ ከምዝኾኑ’ውን እቲ ዜና ይሕብር።

XS
SM
MD
LG