ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ፕረዚደንት ሶማል ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ምብጻሕ ፈጺሞም


ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ
ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ

ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ ማሕሙድ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ረቡዕ 28 መስከረም ኣዲስ ኣበባ ኣትዮም። ኣብ ማዕርፎ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ዝተቐበሎም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ፡ ንኽልቲኡ ሃገራት ኣብ ዝምልከት ዕዉት ዝርርብ ምክያዶም እቶም መራሕቲ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሑዎ ሓጺር ሓበሬታ ኣመልኪቶም። ፕረዚደንት ሓሰን ንኽልተ ሃገራት ዘጋጥመን ዘሎ ብድሆታትን ዕድላትን ምዝታዮም ሓቢሮም።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ሶማል ብኣልሸባብ ዝግበር መጥቃዕታት ናብ ዶብ ኢትዮጵያ’ውን ብምስጋሩ ከቢድ ሻቕሎት ፈጢሩ ምህላዉ ይፍለጥ። ኣብ መንጎ ካልእ ጉዳያት ክልተ መራሕቲ ንጸጥታዊ ጉዳያት እቲ ዞባ ኣመልኪቶም ክዛራረቡ ምዃኖም ዝበጽሓና ሓበሬታ የመልክት።

XS
SM
MD
LG