ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንምብጻሕ ሚ/ጉ/ወ ሩስያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ብምቅዋም ሰልፊ ተኻይዱ


ሚኒስተር ዓለምለኸ ዝምድናታትን ምትሕብባርን ደቡብ ኣፍሪቃ ናደሊ ፓንዶር ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ ተቀቢለን ኣብ ሓባራዊ ርክባት ኣብ ዘዘራርባሉ ህንጻ ማሕበር ዩክሬንን ደቡብ ኣፍሪቃን ናይ ተቓውሞ ሰልፊ አካይዱ።

እቶም ሰልፈኛታት ክልቲኦም ሰበ ስልጣን ጋዜጣዊ መግለጺ ምሃብ ቕድሚ ምጅማሮም ንፑቲን ጠጠው ኣብልዎ፤ ቀታሊ ቆልዑ፤ ገበናት ኹናት ዝብሉ ጭርሖታት ብምሓዝ ድምጾም ኣስሚዖም።

መንግስቲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ኹናት ዩክሬን ዘይሻራዊ ምዃኑን መንጎኛ ክኸውን ከምዝደልይን ይገልጽ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭን ኣብቲ ምስ ደቡብ ኣፍሪቃዊት መዘነኦምን ብሓባር ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መብርሂ ኣብ ምጅማር እቲ ፍሉይ ወታሃደራዊ ስርሒት ኣብ መንጎናን ዩክሬንን ንዘሎ ጉዳይ ብልዝብ ንምፍታሕ ብዩክሬን ንዝቀረበ ደጊፍናዮን ኣብ ኢስታንቡል እውን ኣብ መወዳእታ መጋቢት ልኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ነቲ ጎንጺ ደው ንምባል ተሰማሚዖም እዮም። እንተኾነ ግን ኣመሪካ ብሪጣንያን ገለ ኤውሮጳውያን እዚ ውዕል ቀልጢፉ ብምባሎም ስርዓት ዩክሬን ነቲ ዳርጋ ተሰማሚዕናሉ ዝነበርና መሊሱ ኣይረኣዮን ኢሎም።

ደቡብ ኣፍሪቃ ምስ ሩስያ ዉሑድ ርክብ ንግዲ'ዩ ዘለዋ: ግን ብጂኦፖሎቲካዊ ዓይኒ ንዕብለላ ኣመሪካ ንምንካዩ ብሩስያን ቻይናን ተደላይት ገይርዋ'ሎ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮብ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ነዚ ናይ ኣፍሪቃ ዑደቶም ዝገብሩ ዘለዉ ቅድሚ ዋዕላ ሩስያ ኣፍሪቃ'ዩ። እቲ ዝሓለፈ ዓመት ክካየድ ዝነበሮ ዋዕላ ብሰንኪ ኹናት ዩክሬን እዩ ንዝመጽእ ሓምለ ተመሓላሊፉ።

XS
SM
MD
LG