ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዑደት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ነቕፌታ የስዕብ


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ሰርገይ ላቭሮቭ፡ ሎሚ ሰኑይ ብደቡብ ኣፍሪቃዊት መዘናኡ ብዝተገብረሉ ዕድመ ናብታ ሃገር ድሕሪ ምእታዉ፡ እቲ ዑደት ብሓያሎ ወገናት ይንቀፍ ምህላዉ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ደቡብ ኣፍሪቃ ናለዲ ፓንዶር፡ ንማዕከናት ዜና ኣብ ዝሃበቶም መግለጺ፡ ንሩስያ “ኣገዳሲት መሓዛ” ክትብል ጸዊዓ። ርክብ እቶም ክልተ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ድማ ኣብ መንጎ ክልተ ሃገራት ንዘሎ ሽርክነት ዘትርር ምዃኑ ገሊጻ።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ኣቐዲማ’ውን ንሩስያ ስለ ዘይኰነነት ካብ ሃገራት ምዕራብ ከቢድ ነቕፌታ ክወርዳ ጸኒሑ’ዩ። ንሱ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ምስ ዩክሬን ዝግበር ዘሎ ኲናት’ውን ጸግዒ ኣይሓዘትን።

ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ንዓሰርተ መዓልታት ዝቕጽል ወታሃደራዊ ልምምድ ባሕሪ ምስ ሩስያን ቻይናን ሓቢራ ክትገብር ምዃና’ውን ኣፍሊጣ ኣላ። እዚ መርገጺ’ዚ ብደቡብ ኣፍሪቃውያንን ካልኦት ሃገራት ምዕራብን ዘይሻራዊ ጥራይ ዘይኰነስ ምስ ሩስያ ምውጋን ገይሮም ከም ዝርእዩዎ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ይውስኽ።

XS
SM
MD
LG