ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ንሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘይተዳለወት ኤውሮጳ


ካብ ለበዳ ቫይረስ-ኮሮና ዝፈጠሮ ምምዝብዓት ገና ዘይደልደለት ኤውሮጳ፡ ብሓድሽ ማዕበል ዋሕዚ ስደተኛታት ትጽመድ ኣላ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ኰነ እንግሊዝ ግን ነቲ ዝመጽእ ዘሎ ዋሕዚ ዝበቅዕ ማዕረ ምድልዋት ኣይገበራን፣ ንጹር ፖሊሲ ዝሓንጸጻ’ውን ኣይመስላን። እዚ ዝያዳ ዝጐልሐ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (IOM)፡ ብሰኑይ ድሕሪ ዘውጽኦ ሓበሬታ’ዩ። ካብ ትሩቡሊ 120 ኪሎ-ሜተር ኣብ ዝረሓቐ ባሕሪ ሊብያ፡ ስደተኛታት ዝጸዓነት ጃልባ ብምጥሓላ፡ ልዕሊ 50 ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

ሓላፊ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ጨንፈር ሊብያ፡ ፈደሪኮ ሶዳ፡ ብትዊተር ኣብ ዝፈነዎ መልእኽቲ፡ ኣብዚ ዝደሓረ ሓደጋ ብውሑዱ 57 ሰባት ሞይቶም። “ስቕታን ውሳነ ዘይምውሳድን ይቕረ ዝብሃሎ ኣይኰነን፡” ብምባል ከኣ ምረቱ ይገልጽ ። ካብቲ ሓደጋ ዝደሓኑ ተጓዓዝቲ ንትካል ስደተኛታት ብዝሃቡዎ ሓበሬታ መሰረት፡ 20 ደቀንስትዮን ክልተ ቈልዑን ኣብቲ ሓደጋ ሞይቶም።

ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት፡ ንሃገራት ኤውሮጳ፡ ናይ ገዛእ-ርእሰን ኣሃዱታት ድሕነትን ኮለላን ባሕሪ ክገብራ ደጋጊሙ ክምሕጸን ጸኒሑ። ነቲ ትካል ዝያዳ ዘሻቕሎን ክተርፍ ዝምሕጸኖ ዘሎን ከኣ መንግስታት ኤውሮጳ ምስ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ዝገብሮ ዘሎ ምትሕብባር ከቋርጾ’ዩ። ብሕልፊ ካብ ትሕተ-ሳህራ ኣፍሪቃ ብመገዲ ሊብያ፡ ንኤውሮጳ ክኣትዉ ዝፍትኑ ስደተኛታት፡ ብሰንኪ ክልከላ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ይዕገቱን ግደይ ግፍዕታት ይዀኑን ኣለዉ።

ክሳብ መፋርቕ ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ዓመት ጥራይ፡ 13-ሽሕ ስደተኛታት ብሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ተጠሊፎም፡ ተመሊሶም ኣለዉ። ብመሰረት ጸብጻብ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ኣሃዝ’ዚ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ናይ ምሉእ ዓመት ቍጽሪ ይዓቢ።

ብመገዲ ፈረንሳይ፡ ብንኣሽቱ ጃልባታት ኣቢሎም፡ 8,452 ስደተኛታት ኣብዚ ዓመት’ዚ ንእንግሊዝ ምእታዎም’ውን ተፈሊጡ ኣሎ። እዚ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ዝዛይድ ምዃኑ’ዩ። ብ19 ሓምለ፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ መዓልቲ ጥራይ፡ 430 ሓተትቲ ዑቕባ ንመትረብ እንግሊዝ ሰጊሮም። እዚ ክሳብ ሕጂ ተመዝጊቡ ዘሎ ዝለዓለ ቍጽሪ’ዩ።

በዚ ዝተቘጥዑ ሰበ-ስልጣን ዓዲ-እንግሊዝ፡ ናብታ ሃገር ብዘይ ሕጊ ምእታው ብገበን ዘሕትት ንምግባሩ ይሰርሑ ኣለዉ። ዝዀነ ብዘይ ፍቓድ ናብ እንግሊዝ ዝኣተወ ሰብ ክሳብ ናይ ኣርባዕተ ዓመት ማእሰርቲ ክሕየር ድማ ሕጊ ኣብ ምእማም ኣለዉ።

ዕላማ ናይቲ ኣብ ምርቃቕ ዘሎ ሕጊ፡ ነቶም ብመትረብ እንግሊዝ ዝኣትዉ ስደተኛታት ንምግታእ’ዩ። ንኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ንዝነጥፉ፡ እቲ መቕጻዕቲ ዝተረረ’ዩ ክኸውን። ካብቲ ሕጂ ዘለዎ ክሳብ 14 ዓመታት ማእሰርቲ ድማ እቲ ዝበርትዐ መቕጻዕቲ ክሳብ ናይ ሕልፈት ፍርዲ ክበጽሕ ይኽእል’ዩ። ከም ኣገላልጻ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ ፕሪቲ ፓተል ድማ፡ እቲ ዝንደፍ ዘሎ ሕጊ ነቲ “ሸራፍ ሕጊ ሓተትቲ ዑቕባ” ዓዲ-እንግሊዝ፡ ኢላ ዝሰመየቶ፡ ከጽንዖ ትጽቢት ይገብር።

መንግስቲ እንግሊዝ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ከም ዘፍለጦ፡ ብመገዲ ጀላቡ ብመትረብ እንግሊዝ ካብ ፈረንሳይ ንዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ንምግታእ፡ ንፈረንሳይ 70 ሚልዮን ዶላር ክትከፍላ’ያ። ብመሰረት ሓበሬታ ውሽጣዊ ጉዳያት እንግሊዝ እቲ ክልተኣዊ ስምምዕ፡ ንፈረንሳይ ምክልኻል ኣብ ሓለዋ ባሕሪ ዝያዳ ከድልድላን ተጓዓዝቲ ባሕሪ ንምጥላፍን ምስላይን ዝረቐቐ መሳርሒ ክትዓጥቕን ከኽእላ’ዩ።

ለበዳ ቫይረስ ኮሮናን ምቍራጽ መጓዓዚታትን ብዝፈጠሮ ዘይምቹእነት፡ ቍጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ዓዲ-እንግሊዝ ካብቲ ኣብ 2015 ዝነበረ ናይ 45-ሽሕ፡ ዝሓለፈ ዓመት ናብ 35-ሽሕ ወሪዱ’ዩ። ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ብሰንኪ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፡ እቲ ኣሃዝ ሓተትቲ ዑቕባ ኣመና ጎዲሉ’ዩ። ንኣብነት፡ ቍጽሪ ሓተቲ ዑቕባ ኢጣልያ ዓመተ 2020፡ ብ30% ምጕዳሉ ተፈሊጡ ኣሎ።

ድሕሪ ውሸባ ዝሰዓበ ግንፋለ

ዶባት ዝኽፈትሉ፡ መጓዓዝያ ናብ ንቡር ኣብ ዝምለሱሉን ብመንግስታት ተስገዲዶም ዝጸንሑ ድራተ ምንቕስቓሳት ኣብ ዝዘልቅሉን እዋን ግን፡ መንግስታት ኤውሮጳ ብሓድሽ ማዕበል ስደተኛታት ክጕብኣ’የን። ብሕልፊ እኳ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ትሕተ-ሳህራን ማእከላይ ምብራቕን፡ ለበዳ ብዝፈጠሮ ቍጠባዊ ሕሰም፡ ንብዙሓት ዜጋታት ንስደት ከምርሑ ክደፍኦም ምዃኑ ተንተንቲ ይእምቱ።

“ኣብ ፈለማ፡ ብብዙሓት ሃገራት ዝተወስደ ናይ ገደብ ምንቅስቓስ ንዋሕዚ ስደት ኣመና ኣጕዲሉዎ ነይሩ፡” ይብል ሚኪኤል ስፒንድለገር፡ ዳይረክተር’ቲ ኣብ ቬና ዝርከብ ኤውሮጳዊ “ማእከል ልምዓትን ምዕባለን ኣህጉራዊ ስደተኛታት” ዝተሰምየ ትካል።እቲ ዕጽዋ ምስ ተላዕለ ግን ናብቲ ቅድሚ ኮቪድ-19 ዝነበረ ተርእዮ ስደት ከም ዝተመልሰ በቲ ማእከል ዝወጸ ጸብጻብ ይሕብር።

“ፍሮንቴክስ” ዝተባህለ ትካል ሓለዋ ባሕሪ ኤውሮጳ ብዝዘርግሖ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ መፋርቕ 2021፡ 61-ሽሕ ዜጋታት ብዘይ ሕጊ ንኤውሮጳ ኣትዮም። እዚ ካብቲ ኣብ 2020 ዝነበረ ጠቕላላ ቍጽሪ ብ59% ዝዓቢ ምዃኑ’ዩ። ጸብጻብ ፍሮንቴክስ እቲ ፍልልይ፡ ብሰንኪ ቀዲሙ ዝነበረ ምድራት ምንቅስቓስ ምዃኑ ዝሓበረ ጸብጻብ’ቲ ትካል፡ ብሕልፊ እኳ ብማእከላይ ባሕሪ--ብወገን ሊብያን ቱኒዝያን--ኣሰጋገርቲ ሰባት ብዝሒ ብምንቅስቃሶም፡ እቲ ቍጽሪ ዛይዱ ይብል ።

ሽሕ ደኣ ብዝሒ ስደተኛታት ይዛይድ እምበር፡ ምስቲ ኣብ 2015-2016 ዝተራእየ ቁጽሪ ግን ብተዛማዲ ትሑት ምዃኑ’ዩ። ኣብቲ ዓመት’ቲ ናብ ኤውሮጳ ዝኣተዉ ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ልዕሊ ሓደ ሚልዮን’ዮም ነይሮም። ሃንጋሪን ካልኦት ብጽኑዕ የማናዊ ክንፍታት ዝምርሓ ሃገራት ማእከላይ ኤውሮጳን፡ ብጽሒተን ስለ ዘይወሰዳ ግን እቲ ሸኸም ብቐንዱ ናብ ኢጣልያ፡ ግሪኽን ስጳኛን’ዩ ወሪዱ።

ሓበራዊ መፍትሒን ምምቕራሕ ሃገራትን ደጋጊሙ ተፈቲኑስ ኣይሰለጠን። ብሰንኩ ከኣ’ዩ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝያዳ ኣብ ቱርኪ ክምርኰስ ዝተገደደ። ናብ ኤውሮጳ ዝኣትዉ ስደተኛታት ዓጊታ ክትመልስ፡ ንቱርኪ 8 ቢልዮን ዶላር ክኸፍል ኤውሮጳዊ ሕብረት ተሰማሚዑ። ኣብቲ “ድልድል ሰብኣዊ ሓገዝ” ዝሰመዮ ውዕል ድማ፡ ነቲ ውዕል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ኣሕዲሱዎ ኣሎ። ነዚ መዓላ ዝውዕል 700 ሚልዮን ዶላር ከኣ እቲ ሕብረት ንቱርኪ ሰሊዑ።

ሃገራት ኤውሮጳ እምበኣር ነዚ ሕጂ ዝርአ ዘሎ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝተዳለዋሉ ኣይመስላን። ገለ ዘይመንግስታውያን ውድባት ብዘውጽአኦ ሓበሬታ መሰረት፡ ብኸምቲ ክስርሓሉ ዝጸንሐ ልምዲ፡ ገለ ስደተኛታት ክምለሱ ይግደዱ ኣለዉ። እቲ ምዕጋት ከኣ ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ዝጸንዐን ንሕስያ ዘይብሉን ምዃኑ እቲ ዝወጽእ ዘሎ ጸብጻባት የመልክት።

ብመሰረት ጸብጻብ “ባይቶ ስደተኛታት ደንማርክ” ዝተባህለ ትካል፡ ካብ ጥሪ ክሳብ ሚያዝያ 2021 ጥራይ፡ ኣብ ልዕሊ 2162 ዜጋታት ናይ ምምላስ ተርእዮ ኣጓኒፉ። እዚ ኣሃዝ’ዚ በርጌሳውያን ማሕበራት ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት

ብዝገበርኦ መጽናዕቲ ዝተርኽበ’ዩ። እተን ሃገራት ኢጣልያ፡ ግሪኽ፡ ሰርቢያ፡ ቦዝኒያ-ሀርዘጎቢና፡ ሰሚን ማቀዶኒያን ሃንጋሪን’የን። ሓደ ሲሶ ካብዞም ናይ ምምላስን ምኽልካልን ተርእዮታት ነቲ መሰረታዊ ውዕላት ከምእኒ ድሕነት ካብ ኣካላዊ ጎንጺ፡ ስርቂ፡ ምዕናው ንብረት፡ ምኽላእ መሰል ሕቶ ዑቕባ ዝጥሕሱ ምንባሮም ተፈሊጡ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል::

ንሓድሽ ዋሕዚ ስደተኛታት ዘይተዳለወት ኤውሮጳ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:15 0:00



XS
SM
MD
LG