ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ናጽነት ኢንተርነት ንመበል ሻውዓይ ዓመት ምንቁልቋሉ ተገሊጹ


ኣብ ዙሪያ ዓለም መንግስታት ንኣጠቓቕማ ኢንተርኔትን ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃንን ምቁፅፃር ከምዘሐየሉ Freedom House ዝተበሃለ ትካል ኣብ ዘውፅኦ ሓድሽ ሪፖርት ይገልፅ።ሰበስልጣን ብዙሓት ሃገራት ብምስምስ ምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ዜና ንዝቓወምዎም ይኸሱዎም።ናይ ኦንላይን ፕሮፖጋንዳን ፍኑው ፍሰት ውልቃዊ ሓበሬታን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰፊሑ ተራእዩ’ሎ።እዚ ንዲሞክራሲ ዓብይ ስግኣት ከምዝኾነ ይገልፅ።

ብመርበብ ኢንተርነት ዝሓልፍ ትሕዝቶ ምቁፅፃርን ምዝባዕን ኣብ ዝሓለፉ ሸውዓተ ዓመታት ምኽንያት ምንቁልቋል ነፃነት ኢንተርኔት እዩ ይብል ፀብፃብ Freedom House።ቻይና ንተኸታታሊ ሳልሳይ ዓመት እታ ዝኸፍአት አፈና ኢንተርኔት ዝተረኣየላ ሃገር እያ።ዝበለፀ ነፃነት ዘስተማቕሩ ድማ ዜጋታት ኣይስላንድን ኢስቶኒያን እዮም።

ቱርኪ ንቑልቁል ትህንደድ ካብዘለዋ ሃገራት ሓንቲ እያ።

ሜላ ምቁፅፃርን ምዝርጋሕ ናይ ሓሶት ሓበሬታን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 18 ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኣገዳሲ ተራ ተፃዊቱ’ሎ።ኣብ Freedom House ዝሰርሕ ኣድሪያን ሻባዝ ከምዚ ይብል።

“ከም ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እዚ ዓመት እዚ ዘረጋገፆ ነገር እንተሃለወ ኢንተርኔት ክንድ’ቲ ንውልቀመላኽነት ዝርብሾ ንዴሞክራሲ እውን ከሰናኽሎ ከምዝኽእል እዩ።”

ማሕበራዊ መራኸቡ ብዙሃን ንሕጋዊ ኣገባብ ምእካብ ሓበሬታ ንምዕፋን ይውዕል ከምዘሎ ምርመራ ከካይዱ ንዝደልዩ ነፃ ጋዜጠኛትታት ደገፍ ክግበር freedom house ይፅውዕ።

“ኣብ ከም ኣሜሪካ ዝኣመሰላ ሃገራት ኣብ ምርጫ ጣልቃ ምእታው ፣ኣብ ወፍሪ ምዝባዕ ሓበሬታ ወይ ኣንፃር ገለ ጋዜጠኛታት ዝተኻየደ ፀለመ ንምልላይ ዓበይቲ ፃዕርታት ርኢና ኢና” ዝበላ ድማ ኣድሪያን ሻበዝ

መንግስቲ ሩሲያ ኣብ ወፃኢ ንዘለው ፖለቲካዊ ምዕባለታት ንምፅላውን ኣብ ውሽጢ ሃገር ድማ ኣብ ስልጣን ንምፅናሕን ናይ ሓሶት ዜናታት ብምዝርጋሕ ሓደ ካብቶም ብዝለዓለ ዝንቀሳቐሱ ምኻኑ’ውን ጸብጻብ’ቲ ትካል ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG