ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ በዓል ሓዱሽ ዓመት ኣብ ዛላንበሳን ሰርሓን ተኸቢሩ


ኣብ ዶብ ኢትዮጵያን ኤርትራ ከባቢ ዛላንበሳ ነበርቲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝተሳተፍሉ በዓል ሓዱሽ ዓመት 2011 ብሓባር ኣኽቢሮም።

ኣብቲ በዓል ፕረዚዳንት ኢሳያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ሚንስተር ዶክተር ኣብዪ ኣሕመድን ተሳቲፎም እዮም።

እቲ በዓል ኣብ ጎረቤት ከተማ ዛላንበሳ ዝኾነት ሰርሓ እውን ክልቲኦም መራሕቲን ካብ ክልቲኡ ህዝቢ ዝተሳተፈሉ ተኸቢሩ።

ን20 ዓመታት ተፈላለዮም ዝፀንሑ ስድራ እውን ሎሚ መዓልቲ ተራኺቦም።

ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብቲ ጽንብል ኣብ ዘስምዕዎ መደረ “እዚ ሰላም ክውን ክኸውን ዝገበሩ ዝበሉዎም መራሕቲ ኒኢዶም ንቐፃሊነት እዚ ሰላም እውን ህዝቢ ትግራይ ቁሩብ እዩ” ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

please wait

No media source currently available

0:00 0:06:55 0:00

XS
SM
MD
LG