ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ትማሊ ዳግማይ ዝጀመረ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ'ውን ቀጺሉ ምውዓሉ ተገሊጹ


ይትግበር ንዝነበረ ጊዚያዊ ስምምዕነት ምቁራጽ ተኹሲ ብምጥሓስ ነንባዕሎም ዝካሰሱ፣ ሓይልታት ፌደራል መንግስቲን ክልል ትግራይን፣ ትማሊ ረቡዕ ዝጀመርዎ ውግእ ሎሚ’ውን ቀጺሎምሉ ከምዝዋዓሉ ነበርቲ ቆቦን ከባቢኡን ገሊጾም።

ሎሚ ኣብ ወልድያ መደረ ዘስምዑ ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ዶ/ር ይልቃል ከፍኣለ "ሓይልታት ትግራይ ንዝኸፈቱልና ወትሃደራዊ መጥቃዕቲ፣ ሰራዊት ምክልኻል፣ ሓይልታት ኣምሓራን ሚልሻን ይምክትዎ ኣለው" ኢሎም።

ኣቐዲሙ መግለጺ ዝሃበ 'ወትሃደራዊ ኮማንድ ሰራዊት ትግራይ': ‘ጸላኢ’ ክብል ዝገልጾም ክፍለ ሰራዊታት ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ፣ ሚልሻታትን ፋኖን ወሎ፣ ምስ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ተላፊኖም መጥቓዕቲ ከምዝኸፈቱ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርእይቶ ኣብ ከባቢታት ቆቦ ድምጺ ከቢድ ብረት ከምዝስማዕ ገሊጾም ኣለው።

XS
SM
MD
LG