ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኲናት ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ምጅማሩ ተገሊጹ


ፋይል
ፋይል

ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት መንግስትን ድሕሪ ናይ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ደውታ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ጥቓ ከተማ ቆቦ ውግእ ከምዝጀመረ ነበርቲ እቲ ከባቢን ክልቲኦም ወገናትን ምግላጾም ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳን ሮይተርስን ሓቢረን።

እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን ተዋጋእቲ ትግራይን ሎሚ ረቡዕ ከም ሓድሽ ተጀሚሩ ዘሎ ውግእ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኻየደ ናይ ዕርቂ ስምምዕ ዘፍርስ እዩ።እቲ ውግእ መን ጀሚሩ ንዝብል ክልቲኦም ወገናት ነንሕድሕዶም ይካሰሱ ኣለው።ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ሓይልታት መንግስቲን መሻርኽቱን ብኣንፈት ደቡብ ትግራይ ሎሚ ረቡዕ ንጉሆ ሰፊሕ መጥቓዕቲ ፈኒዮም ኣለው ይብል።ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን ፌደራል መንግስቲ ዘውጽኦ መግለጺ ግን ህወሓት ቀዲሙ መጥቃዕቲ ብፍናው ነቲ ስምምዕ ኣበርዒኑዎ ክብል ይከስስ።

እቲ መግለፂ"ብመንግስቲ ንዝቐረበሉ ዝተፈላለዩ ኣማራጺታት ሰላም ዕሽስ ብምባል ኣሸባሪ ጉጅለ ህወሓት ብኣቆጻጽራ ኢትዮጵያ ንጉሆ ስዓት 11:00 መጥቓዕቲ ፈፂሙ ኣሎ’’ይብል።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብ ዝለኣኹዎ ሓፂር መልእኽቲ ድማ ‘’ሎሚ ንጉሆ ስዓት 11:00 መጥቓዕቲ ፈኒዮም። ንትሕዝቶታትና ንከላኸል ኣለና’’ኢሎም።ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘስፈሩዎ ፅሑፍ"ሰራዊት ኢትዮጵያን ፍሉይ ሓይልታትን ሚሊሻ ክልል ኣምሓራን ኣብ ደቡብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ዝርከብ ትሕዝቶና ሰፊሕ መጥቓዕቲ ፈፂሞም" ኢሎም።

ንክስታት ክልቲኦም ወገናት ብናፃ ወገን ኣይተረጋገፀን ግን ኣብ ደቡብ ትግራይ ምስ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ውግእ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ።

ሰለስተ ነበርቲ ካብ ንጉሆ ጀሚሮም ድምፂ ከቢድ ብረት ከምዝሰምዑን ኣብቶም ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ምንቅስቓስ ወታሃደራት ኢትዮጵያ፣ፍሉያት ሓይልታት ኣምሓራን ፋኖ ሚሊሻን ከምዝነበረ ገሊፆም ኣለው።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብተወሳኺ ኣፅዋር ፅዒና ካብ ሱዳን ንናይ ኢትዮጵያ ሰማይ ጥሒሳ ትኣትው ዝነበረት ነፋሪት ወቒዑ ከምዘውደቐ ኣፍሊጡ።ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ 'ሓሶት እዩ' ክብሉ ኣብ ትዊተሮም ገሊፆም።

ቅድሚ ስዓታት ኣማኻሪ ሃገራዊ ፀጥታ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ኣቶ ሬድዋን ሑሴን ኣብ መቐለ ኣፅዋር ተራግፍ ዝነበረት ነፋሪት ተወቒዓ ወዲቓ ኢሎም ምስ ገለፁ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ወፃኢ ክልል ትግራይ ናብ ትግራይ ዝኣተወት ትኹን ተወቒዓ ዝወደቐት ነፋሪት የላን ውፅእ ሕሶት እዩ ክብል መግለፂ ሂቡ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ዋና ፀሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶኒ ጉተረዝ ኣብ ኢትዮጵያ ኵናት ምቕፃሉ ዘሰንብድ'ዩ ክብሉ ሎሚ ንጋዜጠኛታት ርእይቶም ሂቦም ኣለው።

"ኣብ ኢትዮጵያ ተ ፃብኦታት ከም ሓድሽ ምቕፃሉ ብዓሚቕ ሰንቢደን ሓዚነን ኣለኹ።ኢትዮጵያዊያን፣ተጋሩ፣ ኣምሓሩ፣ ኦሮሞቶት፣ዓፋረቶት ዝኣክል ተሳቒዮም እዮም።ኣብ መንጎ መንግስትን ህወሓትን ብዘይውዓል ሕደር ተፃብኦ ጠጠው ክብልን ዝርርብ ሰላም ክቕፅልን ሓያል ምሕፅንታይ የቕርብ ኣለኹ።ጎኒ ንጎኒ ድማ ብዘይ ዕንቅፋት ምሉእ ተበፃሕነት ሰብኣዊ ረድኤት ክረጋገፅን ህዝባዊ ኣገልግሎታት ዳግም ክቅፅሉን ኣለዎም።"

ወሃቢ ቃል መንግስቲ ኢትዮጵያ ዶክተር ለገሰ ቱሉ:ወታሃደራዊ ወሃቢ ቃል ኮሎኔል ጌትነት ኣዳነ፣ወሃቢ ቃል ክልላዊ መንግስቲ ኣምሓራ ግዛቸው ሙሉነህ፣ ወሃቢት ቃል ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩምን ርእይቶ ክህቡ ብኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ተሓቲቶም ኣይመለሱን።

XS
SM
MD
LG