ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቱርኪ፤ ኣብ ፍርስራስ ህንጻታት 3 ግዳያት ምንቅጥቃጥ መሬት ብህይወት ምርካቦም ተሓቢሩ


ሰራሕተኛታት ሓደጋ ቱርኪ፡ ብርቱዕ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ዘጋጠመሉ ድሕሪ ሸሞንተ መዓልታት ብህይወት ዝተረፉ ግዳያት ካብ ዝፈራረሰ ህንጻታት የውጹኡ ኣለዉ።

እቲ ዳሕረዋይን ተጠቃሳይን ወፍሪ ምድሓን ህይወት፡ ሰለስተ ሰባት ካብ ዝፈራረሱ ህንጻታትን ኣባይቲን ዝዳሓንሉ መስርሕ ኮይኑ ኣሎ።

ቴለቭዥን ቱርኪ፡ ካብ’ቲ ስራሕ ምድሓን ህይወት ካብ ዝፈረሱ ህንጻታት ኣብ ፈነወ ኣብ ዝቐጸለሉ እዋን፣ ኪኢላታት ግና ድሕሪ ዝተናወሐ ጊዜ፣ሰባት ብህይወት ዝጸንሕሉ ዕድል እናጸበበ ይመጽእ ከምዘሎ ይሕብሩ።

በቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ኣብ ቱርኪን ሶያን ብድምሩ ዛጊት ልዕሊ 35-ሽሕ ሰባት ሞይቶም ኣለዉ።

XS
SM
MD
LG