ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓደ ሰሙን ድሕሪ ምንቅጥቃጥ መሬት ቱርኪ ሓንቲ ውልቀሰብ ብህይወት ምርካባ ተገሊጹ


ሓደ ሰሙን ድሕሪ ኣብ ቱርኪ ዘጋጠመ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን ኣብ ደቡባዊ ቱርኪ ካብ ዝፈረሰ ህንፃ ሎሚ ሰኑይ ንሓንቲ ሰበይቲ ብህይወታ ምርኻቦም ገሊጾም። ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት እንተወሓደ 29,605 ምብፅሑ ሰበስልጣን ቱርኪ ገሊፆም ኣለው።

ክኢላታት ሰባት ካብ ዝፈራርሱ ህንፃታት ብህይወቶም ናይ ምርካብ ዕድሎም እናተፀንቀቐ እዩ ኢሎም የጠንቅቑ ኣብ ዘለውሉ እዋን፥ኣብ ምምሕዳራዊ ከባቢ ጋዚያንተፕ ከተማ ኢስላህየ ጓል 40 ዓመት ሰበይቲ ብህይወታ ተረኺባ'ላ።

ኣብ ዞባ ጋዚያንተፕ ማእኸል ብዝገበረ ሓያል ምንቅጥቃጥ መሬት እንተወሓደ 29,605 ሰባት ምሟቶም ሰበስልጣን ቱርኪ ኣፍሊጦም ኣለው።

ብመሰረት ናይ ሕቡራት ሃገራት ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ምስ ሰሜን ሶሪያ ኣብ ዘዋስኑ ከባቢታት ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት 4,300 ዝቖፀሉ ድማ 7600በጺሑ ኣሎ ።

ዝሓለፈ ሰሙን ሶኑይ ንጉሆ 6 ጥሪ 2023 እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ካብ ዘጋጥም ዓለምለኸ ጉጅለታት ፍተሻንን ህይወት ኣድሓንን ከምኡ እውን ናይ ሕክምናን ካልኦት ረድኤታትን ናብ ቱርኪ እናወሓዙ እዮም።

ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ሕቡራት ሃገራትሊንዳ ቶማስ ግሪንፊልድ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሰብኣዊ ሓገዛት ናብ ሶሪያ ንምእታው ዘኽእሉ ተወሰኽቲ መእተዊ ዝፈቅድ ውሳነ ከሕልፍ ፀዊዐን ኣለዋ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ ቱርኪ ስንዑን ዘይሕጋውን ኣገባባት ህንፀት ፈፂሞም ንዝበሎም 134 ኮንትራክተራትን ካልኦትን ዒላማ ብምግባር ምርመራ ተካይድ ከምዘላ ተፈሊጡ።

ሚንስተር ፍትሒ ቱርኪ በኪር ቦዝዳግ ንምፍራስ ኣሽሓት ህንፃታት ተሓተቲ ዝኾኑ ኩሎም ከምዝቐፅዑ ቃል ኣትዮም ኣለው። ዓቀብቲ ሕጊ ኣብ ህንፀት ዝተጠቐምሉ ናውቲ ኣብነት ካብቶም ዝፈራረሱ ህንፃታት ይእክቡ ኣለው። እቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ሓያል እዩ ነይሩ፤ ይኹን እምበር ግዳያትን ክኢላታትን ግን ጠንቂ ናይቲ ዘስካሕክሕ ሓደጋ ሕማቕ ህንፀትን ምውሓደ ቁፅፅርን እዩ ይብሉ።

ካብታ ሃገር ክወፁ ዝፈተኑ ክልተ ኮንትራክተራት ትማሊ ሰንበት ኣብ መዕረፎ ነፈርት ኢስታንቡል ብሰበስልጣን ኣብ ቐይዲ ውዒሎም።

ካልኦት ክልተ ኮንትራክተራት ድማ ኣብ ጋዚያንተፕ ተታሒዞም ኣለው።

XS
SM
MD
LG