ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ተዓዛቢ ጕጅለ ሕብረት ኣፍሪቃ ንመቐለ ክኸይድ’ዩ” ኬንያታ


ፋይል
ፋይል

ኣብ ናይሮቢ ኬንያ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ መንጎ መሪሕነት ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓትን፡ ንኽልተ መዓልታት ዝተኻየደ ዕጹው ኣኼባ ሎሚ ተዛዚሙ። ድሕሪ’ቲ ርክብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ንትግባረ እቲ ስምምዕ እትከታተል ጕጅለ ኣብ ቀረባ መዓልታት ንመቐለ ክትከይድ ምዃና ሓቢሮም።

እቲ ኣብ መንጎ ላዕለዎት ወታሃደራውያን መራሕቲ ዝተኻየደ ርክብ “ትስፉዎን ንኢትዮጵያ ናብ መገዲ ሰላም ዝመርሕን’ዩ” ክብሉ ኬንያታ ተዛሪቦም። ወከልቲ ክልተ ወገናት ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣይተረኽቡን። ንዓኣቶም ወኪሎም ምህላዎም ዝሓበሩ ኬንያታ ግን፡ ኣብቲ ክልተ መዓልታት ዝወሰደ ርክብ፡ ንትግባረ ኣብቲ ስምምዕ ዝተኸተመ ነጥብታት ብዝርዝር ከም ዝተዛራረቡ ገሊጾም።

ድሕሪ’ቲ ሓጺር መግለጺ ውሑድ ሕቶታት ጋዜጠኛታት ዝተቐበሉ ኬንያታ፡ ብዛዕባ ህላወ ሰራዊት ኤርትራ’ውን ተሓቲቶም። ኬንያታ ኣብ ምላሾም፡ እቲ መልሲ ኣብቲ ዝተፈረመ ስምምዕ ብግቡእ ተጠቒሱ ከም ዘሎ ኣዘኻኺሮም። ኵላቶም ናይ ደገ ሓይልታት ካብ ክልል ትግራይ ክወጽኡ ምዃኖም ድማ ደጊሞም ጠቒሶም።

“ሰብኣዊ ሓገዝ ከምቲ ዝደለን ኣብቲ ዝደለን ኣብ ትግራይ ይባጻሕ ስለ ዘየሎ እንታይ መልስኹም?” ኢሎም ዝተሓተቱ ኬንያታ ሓደ ካብቲ ንመቐለ ዝኸዱሉ ምኽንያት ነቲ ዝተበጽሐ ስምምዕ ትግባረኡ ንምርኣይ ምዃኑ ኣብሪሆም።

ናብ መቐለ ዝኸዱሉ ዕለት ብንጹር ኣየቕርቡ እምበር፡ ኣብቲ ዳሕራይ ዝተሓተቱዎ ግን ኣብ ውሽጢ’ዚ ወርሒ’ዚ ምዃኑ ኬንያታ ኣመልኪቶም።

XS
SM
MD
LG