ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ተዓዛቢት ኮሚተ ናብ ክልል ትግራይ ንምልኣኽ ትዳሎ 


ንትግባረን ከይዲን ስምምዕ ናይሮቢ ንምግምጋም ናይ ክልተ መዓልታት ርክብ ዘካየዱ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ንምቛም እታ ተኻታታሊት ኮሚተ ኣጻፊፎም ከም ዝወድኡ ካብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ድሕሪ’ቲ ርክብ ትማሊ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝሃቡ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ “ንኢትዮጵያ ናብ ርግኣትን ሰላምን ዝመርሕ ትስፉው ርክብ” ክብሉ ገሊጾም ነይሮም።

ኣካል’ቲ ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ምዃኑ ዝፈልጥ ዞባዊ ውድብ ኢጋድ’ውን ኣብቲ ዘተ ዘለዎ ጽቡቕ ተስፋ ገሊጹ ኣሎ።

ጸሓፊ ውድብ ኢጋድ ዶ/ር ወርቅነህ ገበየሁ፡ “ምቛም ናይዛ ተቖጻጻሪት ኮሚተ ንትግባረ እቲ ስምምዕ ዘሎ ድልውነት ዘርኢ’ዩ፡” ክብሉ ገሊጾም።

እታ ኮሚተ ካብ ክልተ ወገናት ዝቖሙ ኣባላት፡ ተወከልቲ ኢጋድን ኣፍሪቃዊ ሕብረትንን ክህሉዉዋ ምዃኖም ተፈሊጡ ኣሎ። ኣብ ከም ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ፡ እታ ተቖጻጻሪት ኮሚተ፡ ኣብ መንጎ’ቲ ካልእ ስራሓታ፡ ዕጡቓት ሰራዊት ህወሓት ብረቶም ዝፈትሑሉ መገዲ ምርግጋጽን ተወሳኺ ኣጽዋር ከም ዘይኣትዎ ምርግጋጽን ዝርከቦ’ዩ።

ጸብጻብ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ኣብቲ ስምምዕ እኳ ብስም እንተ ዘይተጠቕሱ፡ ኣብ ክልል ትግራይ ምህላዎም ዝተፈልጠ ሰራዊት ሚሊሻ ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ግፍዕታት ይግጽሙ ምህላዎም ይግለጽ፡ ይብል ።

ኣብ ተመሳሳሊ ምዕባለ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ትማሊ ሓሙስ ንኸይዲ ሰላም ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ብኽልተ ወገናት ንዝተፈረመ ስምምዕ ዘለዎ ኣድናቖት ድሕሪ ምንኣድ፡ ኣብ ትግባረኡን ግን ናይ ቀረባ ምክትታል ኣካል ከም ዘድሊ ኣመልኪቱ። መግለጺ ሕብረት ኤውሮጳ ከም ዝሕብሮ፡ ብሕልፊ እኳ ሰሜን ኢትዮጵያ ብኸቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ይሳቐ ከም ምህላዉ መጠን፡ ቅልጡፍን ቀጻሊን ሰብኣዊ ሓገዝ ከም ዘድሊን ጠቒሱ። ኮሚሽን ሕብረት ኤውሮጳ ከም ወትሩ ንምሕጋዝ ድሉው ምዃኑ ዝጠቐሰ መግለጺ፡ መሰረታዊ ኣገልግሎት ክምለስን ዝትፈጸመ ገበናት ተሓታትነት ዝህልወሉ መገዲ ክረጋገጽን’ውን ኣዘኻኺሩ።

እቲ መግለጺ ኣብ መወዳእታ፡ ንስምምዕ ኣልጀርስ ከምኡ’ውን ኣብ 2018 ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዎ ድጋፍ ድሕሪ ምጥቃስ፡ መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ኢትዮጵያ ንምኽባር፡ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ቀልጢፉን ጠቕሊሉን ክወጽእ ጸዊዑ።

XS
SM
MD
LG