No media source currently available
ናይ ተቓውሞ ምንቅስቃስ ሱዳን ወታሃደራዊ መሪሕነት’ታ ሃገር መዝነቱ ንሲቪላዊ መሪሕነት ክረኽብ ዝጠልብ ሰልፊ ኣብ መላእ ከተማ ካርቱም ሎሚ ሓሙስ ምክያዶም ተገሊጹ’ሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝተኻየደ ሰልፊ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ዜጋታት ዝተሳተፉ ኽኮኑ ከለው ጭርሖታትን ጽሑፋትን ብምሓዝ ናብ ጎደናታት ምውጽኦም ተፈሊጡ’ሎ።