ዋሽንግተን —
ኢትዮጵያዊ ተወላዲ ክልል ትግራይ ኣቶ ነጋሲ በየነ፡ ንነዉሕ ዝበለ እዋን ንምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ሰለማዊ ፍታሕ ግጭታትን ክምጉት ዝጸንሐ`ዩ። ኤርትራዊ ኣቶ ኣዳም ኪዳኑ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሕ ዓመታት ዝሰርሐን፡ ኣብ ዝረኸቦ ኣጋጣሚ ብዛዕባ ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን ክሰብኽ ዝጸንሐን በዚ ዳሕራዋይ ናይ ሰላም ተስፋ ዝተሓጎሰን`ዩ።
ድሕሪ ምብጻሕ ልኡኻት መንግስቲ ኢትዮጵያ ናብ ከተማ መቐለ፡ ኣብ ምቕጻል ማሕበራዊ ኣገልግሎታት`ውን ቅልጡፍ ምዕባለ ኣብ ዝርኣየሉ ዘሎ እዋን፡ ክልቲኦም ኣጋይሽ እቲ ዝሓለፈ ሓሊፉ እቶም መራሕቲ ግን ንቕድሚት`ምበር ንድሕሪት ከይጥምቱ ይምዕዱ። ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዳግም ብጉርብትናን ብምሕዝነትን ናይ ምንባር ጸገም ከም ዘይብሉ ድማ ክልቲኦም ኣጋይሽ ይሰማምዑ።