ክልል ዓፋር —
ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ ሓይልታት ትግራይ፣ ፈደራላዊ መንግስትን ሓይልታት ክልልን እተገብረ ውግእ ሕድሕድ ንገሊአን ተታሒዘን ዝነበራ ኸተማታት ኣዕንዩ ብሚልዮናት ዝቊፀሩ ነበርቲ ድማ ኣመዛቢሉ።
ውድብ ሕቡራት ሃገራት ከም ዝገለፆ ኣብዚ እዋን ከባቢ 295,000 ዝኾኑ ሰባት ናብተን ኣብ ፀግዕታት ሰሜናዊ ዓፋር ዝርከባ ኸተማታት ይምለሱ ኣለዉ ። ውሑዳት ነበርቲ ድሮ ናብቲ ዋዒ ዝወረሮ ከተማኦም ተመሊሶም ኣለዉ ።
ኣብ ስሜን ኢትዮጵያ ክልል ዓፋር ዞባ ኮነባ ዝርከቡ ኣኽራናት ክሳብ መወዳእታ ወርሒ ሚያዝያ ብሓይልታት ትግራይ እዮም ተታሒዞም ፀኒሖም። ሓደ ሓደ ነበርቲ እቲ ኸባቢ ከምዝብልዎ ኣብቲ ምስ ክልል ትግራይ ዘዳውብዎም ጎቦታት ሐጂ እውን ኣማዕድዮም ሓይልታት ትግራይ ዝዓረድሉ ከባቢ ከምዝርእዩ ይዛረቡ።
መብዛሕትኡ ክፋል እቲ ከተማ ጥርሑ እዩ ፤ ይኹን እምበር ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታት ዕንወት አውሪዶም ድሕሪ ምኻዶም ንመጥቃዕቲ ፈሪሖም ሃዲሞም ዝነበሩ ሰላማውያን ሰባት ቀስ ብቀስ ናብ ናብርኦም ይምለሱ ኣለዉ።