ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቤ/ጽ ዝምድናታት ክልል ትግራይ ብሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ንዝቐረበ ክሲ ኣሉታዊ ምላሽ ይህብ


መቐለ - ፋይል
መቐለ - ፋይል

ኣብ ልዕሊ’ቲ ብዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዝቐረበ ክሲ ግብረ መልሲ ዝሃበ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ክልል ትግራይ መንግስቲ ክልል ትግራይ፣ ምስ ንህዝቢ ትግራይ ኣገዳሲ ረድኤት ዘቅርቡ ትካላት ረድኤት፣ ሰናይ ናይ ስራሕ ርክብ ክቕጽል ድልየቱ ከምዝኾነ ሓቢሩ።

እንተኾነ ይብል እቲ መግለጺ "ዳይረክተር ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ዝሃቦ ሓጋዚ ዘይኮነን፣ መንግስቲ ክልል ትግራይ ነዳዲ ‘ሰሪቁናን’ ዝብል መግለጺ፣ ኣዝዩ ዘሻቅል እዩ" ይብል።

"ዴቪድ ብዝልይ፣ ከምዚ ዝበለ ጠቀነ ቅድሚ ምቅልሑ ዝርዝሩ ክፈልጦ ይግባእ ነይሩ። ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ፣ ካብ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ነዳዲ ኣይሰረቀን፣ ልዕሊ 6-ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ንፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣለቂሕዎ ከምዝነበረ፣ ብመሰረት ስምምዕነትና፣ ንክምለሰልና ኢና ሓቲትና።"

እቲ መግለጺ እቲ ነዳዲ፣ ኣብ’ቶም ወረርቲ ዝብሎም ሓይልታት ዝተዘርፉን ዝዓነውን ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን ካልኦት ትካላትን መሰረታዊ ኣገልግሎታት ንምሃብ ኣብ ከምዝውዕል'ውን ይገልጽ።

XS
SM
MD
LG