ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ህወሓት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝተመደበ ነዳዲ ሰሪቑ ክብል ይከስስ


ፋይል
ፋይል
መንግስቲ ኢትዮጵያን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ሓይልታት ትግራይ ሰሪቖም ንዝተባህለ ንምብጻሕ እኽሊ ዝተመደበ ልዕሊ ፍርቂ ሚልዮን ሊትሮ ነዳዲ ኮኒኖም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ እቲ ነዳዲ ንክምለስ፣ ማሕበረሰብ ዓለም ድማ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ስጉምቲ ንክወስድ ጸዊዑ።

ሓላፊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ዴቪድ ቢዝልይ ብትዊተር ኣብ ዘውጽኦ መልእኽቲ ሓይልታት ትግራይ፣ ሰብኣዊ ረድኤት ንምብጻሕ ተዳልዩ ንዝነበረ 570-ሽሕ ሊትሮ ነዳዲ ከምዝሰረቁ ገሊጹ ኣሎ።

እዚ ዳሕረዋይ ዜና ይስማዕ ዘሎ፣ ኣብ ሞንጎ መንግስቲን ሓይልታት ትግራይን፣ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝጸንሐ ምቁራጽ ተኹሲ፣ ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ምፍራሱ እዩ።

ክልል ትግራይ፣ ንዝሓለፉ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ትሕቲ ሙሉእ ዕጽዋ እያ ጸኒሓ። ብመሰረት ትካላት ረድኤት፣ ገለ ክፋል’ቲ ክልል ኣብ ኩነተ ጥምየት ኣትዩ ይርከብ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኦስሎ ኖርዌይ ዝነጥፍ ፕሮፈሰር ክጀቲል ትሮንቮል አብ ዝጻሓፎ መልእኽቲ ትዊተር "ሪፖርት ሕቡራት ሃገራት ከምዝሕብሮ እቲ ነዳዲ ካብ ሰበ-ስልጣን ትግራይ ብልቃሕ ዝተረኸበን ዝተመለሰን ከምዝኾነ፣ ስለዚ፣ ህወሓት ነቲ ነዳዲ መሊሱ ምውሳዱ፣ መሰሉ እዩ" ይብል።

XS
SM
MD
LG