ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሓላፊት ሕክምናዊ መዳይ ኩባንያ መፍረ መድሃኒት ፋይዘር ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽየን ተመክሮኣ ተኻፍል


ቃለ መጠይቕ ምስ ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ሓላፊት ሕክምናዊ መዳይ ፋይዘር ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽየን

ኤርትራዊት ኣመሪካዊት ዶ/ር ኣይዳ ሃብተጽየን ሓላፊት ሕክምናዊ መዳይ ኣብ ሓደ ካብ ዓበይቲ ትካላት መፍረ መድሃኒት ዓለም ዝኾነ ፋይዘር'ያ። ነቲ ትካል ዓለም ኣብ ማእከል ዓለምለኸ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ዝነበረትሉ እዋን'ያ ተጸንቢራቶ በዚ ድማ ነቲ ውሳነ ክትወስድ ዝደረኻ ምክንያት ኣብቲ መዝነት ክትበጽሖ ትደልይ ዕላማ ከምኡ'ውን ኣብ ወርሒ የካቲት ዝጽንበል ወርሒ ኣፍሪቃዊያን ኣመሪካዊያን ሓንቲ ካብተን ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት መጺኣን ለውጢ ዘምጽኣ 100 ደቂ ኣንስትዮ ተባሂላ ንዝተዋህባ ኣፍልጦ ብሓፈሻ ናይ ህይወት ተመክሮኣ ከተካፍለና ኣዘራሪብና ኣለና።
XS
SM
MD
LG