ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቁጽሪ ኣብ ሞቃዲሾ ዘጋጠመ መጥቓዕቲ ዝሞቱ ናብ 121 ክብ ኢሉ


ኣብ ሞቃዲሾ ብሰንኪ ዝተፈጸሙ ክልተ መጥቃዕታት ነታጕን ዝሳዓበ ሞት 121 ሰባትን መቁሰልቲ ኣስታት 300 ሰባትን መግለጺ ዝሃበ መንግስቲ ሶማል፣ ንግዳያት ሓገዝ ከምዝልግስ ቃል ኣትዩ።

ዝሓለፈ ቀዳም ብኣል-ሸባብ ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ዘጋጠመ፣ ሓይልታት ሶማል ኣንጻር’ቶም ሚልሻታት መጠነ ሰፊሕ ወፍሪ ኣብ ዝጀመርሉ ወቅቲ እዩ።

ካቢነ ሶማል ድሕሪ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ ርእይቶ ዝሃቡ ቀ/ሚ ሃምዛ ባሬ ንሕክምናዊ ወጻኢታትን ንስድራ ግዳያትን ንምሕጋዝ፣ ምምሕዳሮም ሓደ ሚልዮን ዶለር ከበርክት እዩ ኢሎም።

ሕነ እቶም ዝተቀትሉ ሰባት ንምፍዳይ፣ ኣብ ልዕሊ ኣል-ሸባብ መጥቃዕቲ ከምዘሕይሉ’ውን እቶም ቀ/ሚ ኣፍሊጦም።

ቅድሚ ትማሊ ሰንበት መግለጺ ዝሃበ መንግስቲ ሶማል ኣብ ዞባ ማእከላይ ሸበሌ፣ 100 ተዋጋእቲ ኣል-ሸባብ፣ ብሓይልታት መንግስቲ ተቐቲሎም ከምዝበለ ዝዝከር እዩ።

እዚ ኣል ሸባብ ቀዳም ኣብ ሶማልያ ዝፈጸሞ ዳሕረዋይ መጥቃዕቲ ቦምብ፣ ኣብ ጥቓ እቲ ቅድሚ ፮ ዓመት ንልዕሊ ፷0 ሰባት ዝቀተለ ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ እዩ ኣጉዋኒፉ። እቲ መጥቃዕቲ’ቲ፣ ኣብ ምድሪ ኣፍሪቃ ዛጊድ ካብ ዝተፈጸሙ እቲ ዝኸፍአ ከምዝነበረ’ውን ዝመጸና ዜና ጠቂሱ።

እዚ ከምዚሉ ከሎ፣ ሎሚ መግለጺ ዘውጸአ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ሚኒስቴር ገንዘብ ኣሜሪካ ‘ኣብ ልዕሊ ዳዕሽ ሶማልያ ስጉምቲ ከምዝውሰድ’ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት’ቲ መግለጺ ‘ንኣልሸባብ ፋይናንሳዊ ደገፍ ዝገብሩ፣ ተሓባበርቱ፣ ኣጽዋር ዝሸጡን ዘቐብሉን፣ እገዳ ከምዝተነበረሎም’ ይጠቅስ።

ብርክት ዝበሉ እገዳ ዝተነበረሎም ውልቀሰባት፣ ነቲ ጉጅለ ራዕዲ ኣጽዋር ዝሸጡ ወይካኣ ኣባላት ኣልሸባብ ከምዝኾኑ’ እቲ ዜና ጠቂሱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG