ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ኣብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ብዘጋጠመ ክልተ መጥቓዕቲታት ነታጕ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም


ኣብ ዋና ከተማ ሞቃዲሾ ብቐዳም ብዘጋጠመ ክልተ መጥቓዕቲታት ነታጕ ኣስታት 100 ሰባት ሞይቶም።

በቲ ዘጋጠመ ክልተ መጥቓዕቲታት ቁጽሪ ምውታት ክውስኽ ከምዝኽእል ይግለጽ ኣሎ።

ብመሰረት ሓበሬታ ፕረዚደንት ሶማል ሓሰን ሸኽ መሃመድ ኣስታት 100 ሰባት በቲ መጥቓዕቲ ክሞቱ ከለው 300 ድማ ቆሲሎም ኣለው።

ንሶም ናብቲ ቦታ መጥቓዕቲ ትማሊ ሰንበት ድሕሪ ምብጻሕ ነዚ ሓበሬታ ዝሃቡ ክኾኑ ከለው ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ሰብ-ሞያ ሕክምናን መሳርሒታት ብምስዳድ ክተሓባበር ጸዊዖም ኣለው።

ብተወሳኺ ህዝቢ ናብ ሆስፒታል ብምኻድ ደም ክልግስ እውን ጻውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ፕረዚደንት ሶማል ንግዳያትን ስድራ ግዳያት ዝኾኑ ቆልዑ ነጻ ኣገልግሎት ትምህርቲ ክህቡ ምዃኖም ሓቢሮም ኣለው።

እቲ መጥቓዕቲ ኣብ ከባቢ ሚንስትሪ ትምህርቲእታ ሃገርእዩ ኣጋጢሙ።

ኣልሸባብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ 3 ኣብ ማእከላይ ሶማል ብውሕዱ 30 ሰባት ቀቲሉ። ዝሓለፈ ነሓሰ 19 ኣልሸባብ ንሓደ ኣብ ሞቓዲሾ ዝርከብ ሆቴል ብምሓዝ ብውሑዱ 21 ሞይቶም። ኣብ 2019 ዓ.ም 20 ፡ ኣብ 2018- 20: ኣብ 2017 27፡ እቲ ካብ 2011 ኣልሸባብ ካብ ሞቃዲሾ ድሕሪ ምውጽኡ ዝቐጸለ መጥቃዕቲ ኣየዕረፈን።

XS
SM
MD
LG