ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ እስራኤል ነበር ቤንጃሚን ነታንያሁ ናብ መዝነት ተመሊሶም


ቀ/ሚ እስራኤል ነበር ቤንጃሚን ነታንያሁ
ቀ/ሚ እስራኤል ነበር ቤንጃሚን ነታንያሁ

ንእስራኤል ንነዊሕ ዓመታት ዝመርሐ ቀዳማይ ሚንስተር በንጃሚን ነተንያሁ ሕጂ`ውን ድሕሪ ዓመት ካብ ስልጣን ምውራዱ ዳግም ናብ ስልጣን ተመሊሱ።

ቅድሚ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝተገብረ ምርጫ ናይ ነተንያሁ ልኩድ ፓርቲ ዝበዝሐ ድምጺ ብምርካብ ተዓዊቱ`ሎ፡ ሕጂ ምስቶም ሑሉፋት ኦርቶዶክስ የማናውያን ሰልፍታትን ተላፊኑ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ሓይሊ ረኺቡ`ሎ። እዚ ዝቐውም ዘሎ ሓዲሽ መንግስቲ እስራኤል ንፍልስጤማውያን ከምኡ ድማ ንኢራን ዝምልከት ተሪር መስመር ክኽተል`ዩ ዝብል ግምት ኣሎ።

በንጃሚን ነተንያሁ ድሕሪ'ቲ ዓወት "ሎሚ ዓቢ መተኣማመኒ ድምጺ ተዓዊትና ኣለና" ኢሉ። ካብ ደገፍቱ 'ቢቢ ንጉስ እስራኤል' ዝብል ጭደራ`ውን ይስማዕ ኔሩ።

ካልእ ዝተዓወተ ድማ ሰዓቢ ተሪር መስመር ኢታማር በን-ጊቪር`ዩ፡ ሃይማኖት ተኮር ጽዮንነት ዝኽተል ፓርቱ ሕጂ ኣብ እስራኤል ሳልሳይ ዝዓበየ ፓርቲ`ዩ። ድሮ`ውን ምስ ኣመንቲ እስልምናን ቅዱስ ቦታታት እየሩሳለምን ዝበለ ተኣፋፊ ጉዳያት ዝምልከቶ ሚንስትሪ ንክመርሕ ሚንስተር ውሽጢ ሃገር ክኸውን ከምዝደሊ ኣፍሊጡ`ሎ።

ነተንያሁ ብብልሽውና ኣብ ክሲ ከሎ`ዩ ዝዕወት ዘሎ። ሕጂ እቲ ብእኡ ዝምራሕ ሓዲሽ መንግስቲ ነቲ ክሲ ውዱቕ ንምግባር ቀዳምነት ሂቡ ከምዝሰርሓሉ ተገሚቱ`ሎ።

ሰበስልጣን ፍልስጤማውያን፡ ዓወት ነተንያሁ ንዕኦም ሕማቕ ዜና ምዃኑ ይገልጹ`ለዉ። ቀዳማይ ሚንስተር ፍልስጤማውያን መሓመድ ሽታየሕ፡ እዚ ምርጫ`ዚ ንሰለማዊ ጽምዶ ዕድል ዝህብ ኣይኮነን ክብል ገሊጽዎ`ሎ።

እስራኤላውያን ተንተንቲ ብወገኖም፡ እዞም ተዓዊቶም ዘለዉ ሰዓብቲ ተሪር የማናዊ መስመር፡ ምስ ምምሕዳር ባይደን`ውን ውጥረት ክስዕቡ ከምዝኽእሉ ይግመቱ፡ ምኽንያቱ ባይደን፡ እስራኤል ምስ ፍልስጤማውያን ዝርርብ ሰላም ክትጅምር ክሓትት ጸኒሑ'ዩ።

XS
SM
MD
LG