ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ አሕመድ ብልሽውና ብዝምልከት ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ


ብርክት ዝበለ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለያ ሃገራት ተዋህሊሉ’ሎ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ ተሓተቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ምስ ናይተን ሃገራት መንግስታት ይስራሕ ኣሎ ኢሎም።ትማሊ ንፓርላማ ኣብዝሃብዎ መብርሂ ተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት ንህዝቢ ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቦም ኣለው።

ኣብቶም ዝሓለፉ 15 ዓመታት ሰባት ብብልሽውና እናተኣስሩ ኣብ ክንዲ እናነከየ ዝኸይድ ስለምንታይ እናወስኸ ከይዱ ኢሎም ዝሓተቱ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ነቲ ምንጪ ዘይኮነስ ነቲ ጨንፈር ንሕዝ ስለዘለና እዩ ኢሎም።ብብልሽውና ኣብ ወፃኢ ዝተዋህለለ ገንዘብ ዝለዓለ ምዃኑ ዝገለፁ፡ ንሶም መንግስቶም ምስ ዝተፈላለያ ሃገራት ብምትሕብባር ይምርምሮ ኣሎ ኢሎም።

“ምዝራፍ ጥራሕ ዘይኮነስ ብዙሕ ሃብቲ ኢትዮጵያ ኣብዝተፈላለያ ሃገራት ተዋህሊሉ’ሎ።ዋላ ሓደ ዘጠራጥር የብሉን።ከይትጠራጠሩ።….ሓበሬታ ዝህባና ሃገራት ስለዘለዋ ሓቢርና ኣብ ምስራሕ ንርከብ።….ከም ናይ ቅድሚ ሎሚ ኣሲርና ካብ እነፃሪ ምስ ኣፃረና እንተኣሰርና ይሐይሽ ብዝብል እምበር ለያቡ የለውን ብዝብል ኣይኮነን።ለያቡ ሌብነቶም ዘይተፈልጠሎም እናመሰሎም ውዲት ክፍፅሙ ምውዓሎም ድማ ተወሳኺ ሕማም እዩ።እናተፃረየ ስጉምቲ ክውሰድ እዩ።”

ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ብፍላይ ንነበርቲ ክልላት ደቡብ፣ኦሮሚያን ኣምሓራን ብዝብል ዘሕለፍዎ መልእኽቲ እውን ነይሩ።ንተወላዶ ትግራይ ብዝምልከት’ውን ከምዚ ኢሎም።

“ምስቲ ሕቶ ብዙሕ ዘይተኣሳሰር ዋላ እንተኾነ እውን በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ከሕልፎ ዝደሊ ዝለዓለ ፃውዒት ብዛዕባ ህዝቢ ትግራይ እዩ።ህዝቢ ትግራይ ዴሞክራሲ፣ሰላም፤ልምዓት ክመፅእ እዩ ብዝብል ልዕሊ ኩሉ ደቁ ገቢሩ እዩ።ሎሚ ዝለዓለ ፀገም ሰናይ ምሕደራ ዘሎ ኣብ ውሽጢ ክልል ትግራይ እዩ።ክልል ትግራይ ዝተፈለየ ነገር ዝረኸበ ዝመስለና፣ዴሞክራሲ ዝርከብ ዘሎ ዝመስለና ዝተጠቕመ ዝመስለና ብፍላይ ኣብ ደቡብ፣ኦሮሚያ ኣብ ኣምሓራ ንርከብ ሰባት በጃኻትኩም ህዝቢ ትግራይ ሎሚ እውን ማይ ንምስታይ ይፅገም ኣሎ።ዝረኸቦ ሓንቲ መኽሰብ የለን።”

ውሑዳት ሰባት ተጋግዮም ከጋግዩና ከለው ኣብ ካልእ ጫፍ ዝርከብ ዝረኸቦ ዘይብሉ ብዘይኣበስኡ ብሽም ትግራዋይ ምቕፅዕ ግቡእ ኣይኮነን ኢሎም።ነዚ ዝብሎ ዘለኹ ዘይኣምን ሰብ እንተሃሊዩ ብዝደለዮ መንገዲ ናብ ትግራይ ከይዱ ገጠር ትግራይ ከይዱ ክርእይ ይኽእል እዩ ኢሎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ ኣብይ አሕመድ ብልሽውና ብዝምልከት ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:37 0:00

XS
SM
MD
LG