ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ


ኣብ ኢትዮጵያ ዝግበር ዘሎ ይቅሬታ ንመንግስቲ’ውን ዝጠቅም’ዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ አሕመድ ንፓርላማ ተዛሪቦም።

ግብረ ሽበራ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ሓይሊ ምጥቃም’ውን ዝሓውስ’ዩ ዝበሉ ቀዳማይ ሚንስትር አብይ ንእሱር ምግራፍ፡ ኣብ ጸላም ምቅማጥ፡ አካል ምጉዳል፡ ናትና ተግባር ግብረ ሽበራ’ዩ ክብሉ’ውን ተዛሪቦም። ንሶም ብተወሳኺ ኮሚተ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ስምምዕ አልጀርስን ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዝምልከት ዘሕለፎ ውሳነ ብዝምልከትን ካልኦት ጉዳያትን መብርሂ ሂቦም ኣለው።

እዚ ብሩኽ ህዝቢ ይቅሬታ ጌሩ ዕድል ሂቡና’ሎ ነዚ ክንጥቀመሉ ይግባእ ሓደ ንሓደ አጥፊኡ ስልጣን ምሓዝ ጊዚኡ ዝሓለፈ’ዩ ኢሎም።

ኣብቲ ናይ ፓርላማ ኣኼባ ካብ ዝቀረበሎም ካልእ ሕቶ ንስምምዕ ኣልጀርስ ብይን ኮሚሽን ዶብን ብዘይ ቅድመ ኹነት ንምቅባል ምሉእ ንምሉእ ንምትግባርን ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ ኢህወዴግ ዝበጽሖ መደምደምታ ኣብ ቀረባ ህጹጽ ኣኼባ ዝገበረ ማእከላይ ኮሚቴ ህውሓት ህዝብን ካልኦት ወገናትን ከይተመያየጥሉ ብመሓውራት ዜና ክግለጽ ኣይነበሮን ንዝብል ሕቶ አኼባ ፈጻሚ ስራሕ በብስዓቱ ንህዝቢ ኢትዮጵያ ክገለጽ ኣለዎ ድሕሪ ደጊም ናይ ሕብእብእ ፖለቲካ አብ ኢትዮጵያ ኣይሰርሕን’ዩ ኢሎም።

"ልዝብ ከይተኻየደ ህዝቢ ከይተመያየጠሉ ዝብል መከራኸሪ ይኸውን’ዶ፡ ኣይኸውንን’ዩ። ዓሰብ ክንህብ ከለና መዓስ ብዛዕባ ዓሰብ ተመያይጥና ከምዚ ዓይነት ክርክር ንጊዝያዊ ፖለቲካዊ መኽሰብ ጥራይ ምበር ኣይተቐምን።”

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ቀ/ሚ አብይ አሕመድ ንፓርላማ’ታ ሃገር ዝሃብዎ መብርሂ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:42 0:00

XS
SM
MD
LG