ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣብይ ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሱዳን ተራኺቦም፣ ተዘራሪቦም


ቀዳማይ ሚንስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ ትማሊ ኣብ ካርቱም ምስ ዝተፈላለዩ መራሕቲ ሱዳን ምዝርራቡ ምልክት ምድልዳል ምሕዝነት ክልቲአን ሃገራት`ዩ ክብሉ ሰበ-ስልጣን ገሊጾም።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ምስቶም ኣብ ፖለቲካዊ ዘተ ሰላም ሱዳን ዝሳተፉ ዘለዉ ዝተፈላለዩ ፖለቲካዊ ጉጅለታት ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ እቶም ፖለቲካዊ እጀታ ዘለዎም ወገናት ንህዝቦም ከቐድሙን ንናይ ባዕሎም ጸገማት ባዕሎም ፍታሕ ከምጽኡሉን ምዒዱ።

ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ትዊተሩ ኢትዮጵያ ጣልቃ ኣታዊት ኣይነበረትን ዝብል ጽሑፍ'ውን ኣስፊሩ ሎ።

ሱዳንን ኢትዮጵያን ብጉዳይ ዶባትን ጉዳይ ህንጸት ግድብ ሕዳሰን ክስሓሓባ ምጽንሐን ይፍለጥ።

ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ሱዳን ሱና ክልቲኡ ማለት ጉዳይ ዶብን ጉዳይ ህንጸት ግድብ ህዳሰን ኣብቲ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይን መራሒ ሱዳን ቡርሓንን ዝተገብረ ርክብ ተላዒሉ ምንባሩ ጠቒሱ`ሎ።

XS
SM
MD
LG