ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ሱዳን ናይ ስራሕ ዑደት ይፍጽሙ


ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵይ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ሓደ መዓልቲ ናይ ስራሕ ዑደት ንምፍጻም ሎሚ ሓሙስ ሱዳን ኣትዮም። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ መዓርፎ ነፍርቲ ካርቱም ዝኣተውሉ፡ ወታሃደራዊ መራሒን ፕረዚደንት ሱዳንን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን’ዩ ተቐቢሉዎም።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ “ንምሕዝነትን ሽርክነት ክልተ ወገናት ንምትራር’ዩ” ክብል ካብ ቤተ መንግስቲ ሱዳን ዝወጸ መግለጺ ይጠቅስ። ተወሳኺ ዝርዝር ግን ኣይሃበን።

ዑደት ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ሱዳን ኣብ ወሳኒ ፖለቲካዊ ስግግር ኣብ ዘላትሉ እዋን’ዩ ዝካየድ ዘሎ። እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ሱዳን ድሕሪ ምእታው ኣብ ናይ ትዊተር ገጾም ኣብ ዘስፈሩዎ ሓጺር ጽሑፍ’ውን፡ መንግስቶም ኣብ ሱዳን ንዝካየድ፡ ናይ ደገ ምትእትታው ዘይብሉ ናጻ ሕርያን ፖለቲካዊ ዘተን ከም ዝድግፉ ገሊጾም።

እዚ ዑደት፡ ጀነራል ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን ብወታሃደራዊ ዕልዋ ንሲቪላዊ መንግስቲ ድሕሪ ምእላዩ ናይ ፈለማ’ዩ።

ዝምድና ክልተኣን ሃገራት ተደጋጋሚ ውረድ፡ደይብ እኳ እንተ ጸንሖ፡ ካብ ቀረባ ግዜ ኣትሒዙ ግን ዝርአ ምትፍናን የሎን።

ንባዕሉ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ዘይርጉእነት ዘሎ ምምሕዳር መንግስቲ ሱዳን’ውን፡ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት፡ ንዅላቶም ሓይልታት ዘጣምር ሓቛፊ መርሓ ምፍራሙ ይዝከር።

XS
SM
MD
LG