ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀረብ ኣዋጅ ተሃድሶ ክፍሊ 508


ወኪል ዓለማዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ማለት The United States Agency for Global Media መርበብ ሓበሬታኡ ንስንክልና ወይድማ ጉድኣት ንዘለዎም ኣባላት ሓፋሽ ከምኡውን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይ ጸገም ንኽባጻሕ ዓቲቡ ይሰርሕ።

ነዚ መብጽዓ ንምምላእ ብኣዋጅ ተሃድሶ ክፍሊ 508 ማለት (Section 508 of the Rehabilitation Act) ንዝፍለጥ ሕጊ ተቐቢሉ ይሰርሕ። በዚ ድማ ኣዋጅ ተሃድሶ ክፍሊ 508 ሓበሬታ ወይ ድማ ኣገልግሎት ካባና ንዝጽበዩ ስንክልና ወይድማ ጸገም ዘለዎም ኣባላት ሕብረተሰብ ካብቲ ካልእ ስንክልና ወይድማ ጸገም ዘይብሉ ሕብረተሰብ ብዘይፍለ ኣብ ቀረብ ሓበሬታን ሰነድን ብዝክኣል ዘበለ ኩሉ ክቐርብ ይጠልብ።

ኣዋጅ ተሃድሶ ክፍሊ 508 ብተወሳኺ ጸገም ስንክልና ዘለዎም ኣባላት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ካብቶም ካልኦት ጸገም ስንክልና ዘይብሎም ኣባላት ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብዘይፍለ ኣብ ቀረብ ኣገልግሎት ሓበሬታን ሰነድን ብዝክኣል ዘበለ ኩሉ ክሰርሕ ይጠልብ።

ቅጥዒ ቀረብ ኣገልግሎት ምስ ተኽእሎ ምርካብ ሓበሬታ ዝጻረር እንተኾይኑ ግን ኣዋጅ ተሃድሶ ብዝእዝዞ መሰረት ሓገዝ ከነበርክት ክንክእል ምእንቲ ርኸቡና።

ቀረብ ኣገልግሎት ኣድማዒ ብዝኾነ ኣገባብ ሓገዝ ክቐርብ ክኽእል ምእንታን ጸገም ኣብ ዝግለጸሉ ዓይነት ስንክልና ወይድማ ጸገም ምጥቃስ የድሊ። ብዘይካዚ ምስ ስንክልና ተሳን ዩ ክኸይድ ዝኽእል ተደላይ ቅጥዒ ሓገዝ ኣብ ዝሕተተሉ ምግላጽ የድሊ። ጥብቆ ሓገዝ ናይ ዝተደልየሉ መርበብ ሓበሬታን ክትርከበሉ ወይድማ ሓበሬታ ክልኣኸሉ ዝኽእል ኣድራሻን ኣብ እዋን ምሕታት ሓገዝ ክግለጽ የድሊ።

መስርሕ ኣቀራርባ ጥርዓን ክፍሊ 508

ዝተሓደሱ ሕጋጋት ኣዋጅ ተሃድሶ ክፍሊ 508 ብ Section 508 of the Rehabilitation Act of 1973, 29 U.S.C. 794d ዝፍለጥ ኮይኑ ኣብ 2001 ኣብ ትግባረ ዝወዓለ ሕጊ ቤት ጽሕፈታት ፈደራላዊ መንግስቲ ኩሉ ዘማዕበልዎ ኤለክትሮኒካውን ሓበሬታውን ቴክኖሎጂ ስንክልና ዘለዎም ኣባላት ሕብረተሰብ ይኹን ሰራሕተኛታት ፈደራላዊ መንግስቲ ሓበሬታ ይኹን ኣገልግሎት ከይተጸገሙ ክረኽቡሉ ዘኽእል ኮይኑ ክቐርብ ወይድማ ክዳሎ ይእዝዝ። እዚ ኣዋጅ እዚ፤ ኣገባብ ቀረብ ሓበሬታን ኣገልግሎትን ብዝተገልጸ መገዲ ተዋዲዱ ምስ ዘይቀርብ ግን ኣብ ልዕሊቲ ቤት ጽሕፈት ምምሕዳራዊ ጥርዓን ክቐርብ ሓላፍነት የሰክም። እቲ ጥርዓን ክፍላ ሕጊ 508 ልክም ከም ካልእ ጥርዓን ናይ ክፍላ ሕጊ 504 ካብኡ ብዘይፍለ ከምኡ ተመሪሑ ክርአ ከምዘለዎ ይጠቅስ።

ስንክልና ዘለዎ ካብ ኣባል ሕብረተሰብ ሰራሕተኛ ቤት ጽሕፈት ወይድማ ኣመልካቲ ስራሕ ምስ ዚ ክፍላ ኣዋጅ ተሃድሶ 508 ናይ 1973 ብዝተኣሳሰረ ጥርዓን ከቕርብ ምስ ዝደሊ በዚ ስዒቡ ተጠቒሱ ዘሎ ኣድራሻ ጥርዓኑ ናብ ወኪል ዓለማዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ United States United States Agency for Global Media (USAGM) ከቕርብ ይኽእል። እቲ ብጽሑፍ ዝቐርብ ጥርዓን ክታም ክህልዎ ይግባእ። ኣብ ውሽጢ 180 መዓልታት ናይቲ መበገሲ ጥርዓን ዝኾነ ፍጻመ ድማ ክቐርብ ይግባእ።

United States United States Agency for Global Media (USAGM)
Voice of America (VOA)

Chief Information Officer (OCIO)
ATTN: VOA Section 508 Complaints Program Manager
330 Independence Ave SW
Washington, D.C. 20223

እቲ ጥርዓን ብተወሳኺ ብመሰረት ሕጊ ኣዋጅ 508 ዝእዝዞ መሰረት ከማልኦ ዝግባእ ዝነበረን ግን ዘየማልኦን ጠቒሱ መዓስን ኣበይን ፍጻመ ኣጋጢሙ ብዝርዝር ክሕብር ይግባእ። እዚ ሓበሬታዚ ቤት ጽሕፈት ተጠቃምነት ማዕረ ዕድል (Office of Equal Opportunity ) ነቲ ኩነታት ክርድኦ ዝሕግዝ ብምዃኑን ክፍለጥ ዝኽእል እንተኾይኑን ድማ ሓላፍነት ክወስድ ዝኽእል በዓል መዚ ክፍሊ ዓለማዊ ሚድያ ኣብቲ ጥርዓን እንተጠቐሰ ይምረጽ።

The USAGM Office of Civil Rights investigates and processes program complaints concerning Section 508 of the Rehabilitation Act of 1973, as amended (Section 508). Individuals with disabilities may file an administrative complaint with the USAGM Office of Civil Rights requesting that all information and communication technology (ICT), such as a USAGM branded website or non-accessible document that does not conform to the Section 508 standards, be reviewed and brought into compliance with the provisions of Section 508.

ተጣባቒ መሰላት ቤት ጽሕፈት ግሎባዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ጥርዓን ብዝተመሓየሸ ክፍላ ሕጊ ኣዋጅ ተሃድሶ 508 ናይ 1973 ዝርኢ እዩ። ስንክልና ዘለዎም ናብ ተጣባቒ መሰላት ቤት ጽሕፈት ግሎባዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ጥርዓን ብምቕራብ ኣብ ትሕቲ ኣዋጅ 508 ናይ ሓበሬታን ርክብን ቴክሎጂ ኣብ ትሕቲዚ ኣዋጅ ንዘይተማልኡ ክማልኡ ሕቶ ከቕርቡ ይኽእሉ እዮም።

ግሎባዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ነዚ ጥርዓን ብምምርማር ፍታሕ ከምጽእ ይጽዕር። ፍታሕ እንተዘይተረኺቡ ውጽኢት ናይቲ መርመራ ናብ ኣመልካቲ ጥርዓን ብደብዳቤ ከምዝሕበር ይግበር። ኣመልካቲ ጥርዓን ብውጽኢት ናይቲ መርመራ ዕግበት ምስ ዘይረኽበሉ ብምምሕዳራዊ ስርዓት ይግባይ ጉዳይ ይምራሕ። ግሎባዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ናይ መወዳእታ ውሳነ ድማ ይህብ። እዚ ናይ መወዳእታ ውሳነ፤ ኣብ ጉዳይ ርኽበት ናይቲ መርመራ፤ ክ ውሰዱ ብዛዕባ ዝግብኦም መመሓየሺ ስጉምታትን መብርሂ ብዛዕባ ናይቲ ውሳነን ይገልጽ።

ኣማራጺ ኣገባብ ኣቀራርባ ጥርዓን

ግሎባዊ ሚድያ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ስንኩላን ዘድሊ ሓገዝ ተጠቒሞም ጥርዓኖም ከቕርቡ ሓገዝ ይገብር። ብኣማራጺ ኣገባብ ንዝቐረበ ጥርዓን ድማ ይርኢ። ንኣብነት ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ተጠቒሞም ንዝቐርቡ ጥርዓን፤ ብድምጺ ንዝተቐርጹ; ብብረይል ንዝተጻሕፉን ካልኦት ቅጥዕታትን ንዝተጠቕሙ የጠቓልል። ብኤለክትሮኒካዊ ኣገባብ ኢመይል ዝቐርቡ ጥርዓን ናብ section508@voanews.com ክልኣኹ ይግባእ።

XS
SM
MD
LG