ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

186 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ


ኤስ ኦኤስ ሜዲተራንንያን ዝተባህለ ትካል ግብረ ሰናይ ኣስታት 81 ስደተኛታት ትማሊ ሰንበት ቕድሚ ቑሩብ ደቓይቕ ድማ 105 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ምሓኖም ገሊጹ’ሎ።

ሓካይም ብዘይዶብ ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ብዘስፈሮ መልእኽቲ መሰረት ዳሕረዋይ ስርሒት ህይወት ኣድሕን ናይ ህይወት ኣድሕን ጀልባ ብምትዃሱ ስደተኛታት ናብ ባሕሪ ምውዳቖም ግን ኹሎም 105 ስደተኛታት ብደሓን ናብታ ዓባይ መርከብ ምብጽሖም ሓቢሩ ኣብዚ ሕጂ እዋን 356 ስደተኛታት ኣብታ መርከብ ከምዘለው ገሊጹ።

እቲ ትካል እቶም ስደተኛታት ነቶም ኣቐዲሞም ኣብታ መርከብ ዝጸንሑ 130 ስደተኛታት ከምዝተጸንበርዎም ሓቢሮም ኣለው።

186 ስደተኛታት ካብ ገማግም ባሕሪ ሊብያ ምድሓኖም ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:01:20 0:00

እታ ብሓካይም ብዘይዶብ ትውነን መርከብ ካብ ገማግም ባሕሪ ከተማ ትሪፖሊ ኣስታት 50 ማይልስ ርሒቓ ኣብ ዓለምለኸ ማያት ትጉዓዝ ከምዝነበረት ብምግላጽ “ኣብቲ ቦታ ዝነበርና ንሕና ጥራይ ኢና፡ ሓለዋ ባሕሪ ሊብያ ነቲ ናይ ርድኡና መልእኽቲ እቶም ስደተኛታት ግብረ መልሲ ኣይሃቡን” ክብል ኒኮላን ሮማኑኽ ንኤኤፍፒ ሓቢሩ።

ሓካይም ብዘይዶብ 17 ካብቶም ብሰንበት ዝደሓኑ ስደተኛታት ትሕቲ ዕድመ ህጻናት ምኻኖም ሓቢሩ’ሎ።እቲ ትካል ብተወሳኺ መብዛሕትኦም እቶም ዝደሓኑ ሱዳናዊያን ምዃኖም ይገልጽ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ዋንነታ ናይ ስፔን ዝኾነት ፕሮኣክቲቭ ኦፕን ኣርምስ ዝተባህለት መርከብ ካብ ማእከላይ ባሕሪ ዝደሓኑ 160 ስደተኛታት ሒዛ ዝቕበሎም ኣውሮጳዊት ሃገር ብዘይምርኻባ ንመበል 10 መዓልቲ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ደው ኢላ ከትርከብ ይፍለጥ።

XS
SM
MD
LG