ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሱዳን: ፕረ. በሺር ክወርድ ዝጠልብ ዳግማይ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ጻውዒት ቐሪቡ


ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን
ህዝባዊ ተቓውሞ ሱዳን

ሓደ ናጻ ማሕበር ሞያውያን ሱዳን ፕረዚደንት ሱዳን ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ካርቱም ኣብ ዝርከብ ፕረዚደንታዊ ህንጻ ክካየድ ጻውዒት ኣቕሪቡ።

እቲ ማሕበር ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሱዳን ካብ ስልጣን ክወርድ ዝጠልብ ተቓውሞ ዘቕርብ ዘሎ ንካልኣይ ግዜኡ እዩ።

ዝሓለፈ ግዜ ኣብ መዓልቲ ልደት ብዝጸውዖ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታት ተቓወምትን ኣብ ከባቢ ፕረዚደንታዊ ፓላስ ግጭት ምክያዱ ይዝከር። ኣብቲ ግጭት ፖሊስ ሱዳን ዘንብዕ ጋዝን ኣባትር ተጠቒሙ ናብ ፕረዚደንታዊ ፓላስ ሱዳን ንዘምርሑ ሰልፈኛታት ምብታኑ ድማ ተሓቢሩ።

እዚ እቲ ማሕበር ዝጸውዖ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ሎሚ ክሳብ ፍርቂ ለይቲ ክጸንሕን ካብ ካርቱም ወጻኢ ድማ ህዝቢ ኣብ ጎደናታት ሰልፊ ከካይድን ሓቲቱ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG