ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰናዲት ዛንታ ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን


▶ሰናዲት ዛንታ ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን
please wait

No media source currently available

0:00 0:17:28 0:00

▶ሰናዲት ዛንታ ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን

ወ/ሮ ኣበባ ብርሃነ መድህን ኣብ ከተማታት ኣዲስ ኣበባን ዓሰብን ዝዓበየት ኤርትራዊት`ያ።

ዝበዝሐ ናይ ንእስነት ዕድሚኣ ግን ኣብ ዓሰብ`ዩ።ኣብ 1975 ኣብ 'ማሪታይም' ማለት መጓዓዝያ መራኽብ ወደብ ዓሰብ ትሰርሓሉ ዝነበረት እዋን ምስ ብጾታ ብዛዕባ ዘጋጠማ ግፍዕን ማእሰርትን ሰኒዳ`ላ።

ዝሓለፈ ቀዳም ድማ ኣብ ከባቢ ዋሺንግተን ዲሲ፡ ብዙሓት ፈተውታን ደቂ ዓሰብ ብጾታን ኣብ ዝተረኸብሉ ልዕሊ ሰለስተ ሚእቲ ገጽ ዝሓዘት “ግፍዕታት ስርዓት ደርግ ኣብ ከተማ ዓሰብ” ትብል መጽሓፋ ኣመሪቓ።

በዓል ቤታ ማስተር ኣብርሃም ሕሩይ ከምኡ `ውን ብርክት ዝበሉ ብጾታን ሃየስታን ዝህብዎ ዝነበሩ ምስክርነት፡ ንጻዕርን ተወፋይነትን ደራሲት ዘጉልሕ`ዩ። ካብ መንጎ ኣብ መጽሓፍ ወ/ሮ ኣበባ ጎሊሑ ዝጥቀስ ዛንታ፡ ዛንታ ዑመር ኣኪቶ፡ ሻለቃ መሓመድ ያሲን፡ ራጌ ኢብራሂም ከምኡ`ውን ኣብ ፈለማ 1976 ብማሕነቕቲ ዝተቐትሉ ከም በዓል እስቲፋኖስ ተስፋማርያምን ጠዓመ ወልደኣብን`ዩ።

ብፍላይ፡ እታ መጽሓፍ ዝተመረቐትሉን ኣቶ እስቲፋኖስን ሓሙሽተ ካልኦትን ዝተሓነቕሉን ኣብ ተመሳሳሊ ወርሕን ዕለትን ፡ማለት ፡መጋቢት 4 ኮይኑ ምግጥጣሙ ድማ ኣብቲ ምረቓ ንዝተረኽቡ ስድራቤቱን ተሳተፍትን ኣዝዩ ከቢድ ስምዒት ዝፈጠረ ህሞት`ዩ ኔሩ።

XS
SM
MD
LG