ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፈኛታት ብራዚል ንህንጻ ባይቶ: ቤት ፍርዲን ቤተ መንግስቲን ኣዕንዮም


ኣብ ብራዚል ንውጽኢት ምርጫ ዘይተቐበሉ ደገፍቲ ፕረዚደንት ብራዚል-ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ኣብ ልዕሊ ህንጻ ባይቶ`ታ ሃገር ዕንወት ኣውሪዶም።

እቲ ዕንወት ካብ ህንጻ ባይቶ ሓሊፉ ንህንጻ ላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ`ውን ንቤተ-መንግስቲ`ታ ሃገር ዘጠቓለለ`ዩ። ሓይልታት ጸጥታ`ታ ሃገር ስርዓት ንምኽባር ኣብ ዝተዋፈርሉ እዋን እቲ ምፍጣጥ ኣይዓረፈን።

ኣብ ቀዳማይ መዓልቲ ሓዲሽ ዓመት፡ ኣሸሓት ሰባት ንጽንብል ሓዲሽ ፕረዚደንት ሉዊዝ ኢናቺዮ ሉላ ዳ ሲልቫ ንምዕዛብ ናብ ጽርግያታት ወጽዮም ኔሮም- ድሕሪ ሓደ ሰሙን ዝተራእየ ምርኢት ግን ዝተፈለየ`ዩ- ምርኢት ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ።

4-ሺሕ ዝግመቱ ብራዚላውያን ደገፍቲ ፕረዚደንት ነበር ጃየር ቦልሶናሮ ንህንጻ ባይቶ፡ ንላዕላዋይ ቤት ፍርዲ ከምኡ`ውን ንፕረዚደንታዊ ህንጻ ወሪሮም።

ነቶም ኣብቲ ህንጻታት ጸጥታ ከኽብሩ ዝተዋፈሩ ውሑዳት ሓለውቲ ድማ እግሪ እግሮም እናሰዓቡ ኣባሪሮሞም።

ናዕበኛታት ናብቲ ህንጻታት ብምእታው መሳኹቲ ሰይሮም ጠዋሉ ገላቢጦም ከምኡ`ውን ናብ ታሪኻዊ ቦታታት ሰይሮም ኣትዮም።

ንመንበሪ`ቲ ሓዲሽ ፕረዚደንት ከጥቅዑ ከለዉ ፕረዚደንት ሉላ ኣብቲ ቦታ ኣይነበረን። ድሕሪኡ ፈደራል ፖሊስ ጣልቃ ክኣቱ ድሕሪ ምእዋጁ፡ ኣማኢት ናዕበኛታት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም።

ፕረሲደንት ሉላ ዳ ሲልቫ ሓደ ኮሚቴ ቅልውላው ድሕሪ ምቛም ነቲ ኩነታት ከም ዝምርመርን እቶም ኢድ ዘለዎም ከምዝእሰሩን ኣፍሊጡ`ሎ።

"እዚኣቶም ፋሺሽቲ`ዮም። ንኹሉ ዓይነት ሕማቕ ስራሕ ዝውክሉ`ዮም። ንኹሉ ኣብ ቅድሚኦም ዝጸንሖም ዘዕንዉ ጸረ-ንብረት ህዝቢ`ዮም። ኩሎም እቶም ነዚ ዝገበሩ ሰባት ተታሒዞም- ክቕጽዑ`ዮም። ደሞክራሲ ንመሰል ናጽነት የኽብር። ግን ከኣ ሰባት ንትካላት መንግስቲ ከኽብሩ የገድድ`ዩ።"

በቲ ናይ ብራዚል ምርጫ ስልጣኑ ዝሓደገ ቦልሶናሮ፡ ድሕሪ ስዕረቱ ናብ ኣመሪካ ብምምጻእ ኣብ ግዝኣት ፍሎሪዳ`ዩ ዘሎ። ንሱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ ካብቲ ናዕቢ ንርእሱ ኣግሊሉ`ሎ።

“ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካል ደሞክራሲ`ዩ- እንተኾነ ንህንጻታት መንግስቲ ምጥቃዕን ምዕናውን ግን ንግዝኣተ-ሕጊ ምጥሓስ`ዩ “ ኢሉ።

መንግስቲ ብዘይ መረዳእታ ምስቶም ናዕበኛታት ከም ዘተኣሳሰሮ`ውን ጠቒሱ`ሎ። ገለ ወሃብቲ ርእይቶ`ውን እቲ ፕረዚደንት ነበር- ኣብ ትሕቲ ምርመራ ክኣቱ ከምዝኽእል ይግምቱ`ለዉ።

ቪንቺዮስ ቪየራ ፖለቲካዊ ተንታኒ`ዩ ከምዚ ይብል፡-“ ጃየር ቦልሶናሮ ካብ መንጎ በቲ መጥቃዕቲ ዝሕተቱ`ዩ። ምኽንያቱ ኣብ ስልጣን ከሎ ከምኡ ዓይነት ተግባራት ክፍጸም የተባብዕ ስለዝነበረ ከም መምህር ናይቲ ተግባር ክርአ ይኽእል`ዩ። ድሕሪ`ቲ ምርጫ ስዕረቱ ስለዘይኣመነ፡ ኣጽቅጥ`ውን ስለዘበለ፡ ነቶም ደገፍቱ፡ `ዕልዋ መንግስቲ ይክኣል`ዩ` ዝብል ስምዒት ንክሓድሮም ጌሩ`ዩ።"

ሕጂ ወተሃደራዊ ሓይሊን ሃገራዊ ሓይሊ ፖሊስን ብራዚል ክሳብ መወዳእታ`ዚ ወርሒ ናይ ሓለዋ ሓላፍነት ተረኪቡ`ሎ። ኣብ ዕረፍቲ ዘሎ ባይቶ ብራዚል ብወገኑ ንትማሊ ሰኑይ ህጹጽ ኣኼባ ጸዊዑ`ሎ።

XS
SM
MD
LG