ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰብ-መዚ ብራዚል ንቤተ-መንግስቲ ዝደፈሩ ደገፍቲ ቦልሶናሮ ይኣስሩ


ትማሊ ሰንበት 8 ጥሪ 2023፡ ደገፍቲ ፕረዚደንት ብራዚል ነበር ጃኤር ቦልሶናሮ ንቤተ-መንግስቲ፡ ጠቕላሊ ቤት ፍርዲን ህንጻ ባይቶ እታ ሃገርን ድሕሪ ምጥቃዖም፡ 200 ካብቶም ሰልፈኛታት ምእሳሮም ሰበ-ስልጣን መንግስቲ ብራዚል ገሊጾም።

ኣብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተዘርግሐ፡ ኣሽሓት ደገፍቲ’ቲ ካብ ስልጣን ብድምጺ ተሳዒሩ ከብቅዕ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ዘይተቐበለ ፕረዚደንት ነበር ቦልሶናሮ፡ ንህንጻታት እቲ ቤተ መንግስቲ ከጥቅዑን መሳኹቲ ክሰብሩን ተራእዮም።

ነቲ ዘጋጠመ ዕንወት ብኣካል ሎሚ ሰኑይ ዝተዓዘበ ፕረዚደንት ሉላ ዳ ሲልቫ በደልቲ ናብ ፍርዲ ክቐርቡን ጸጥታ እታ ርእሰ-ከተማ ክወሓስን ፕረዚደንታዊ ትእዛዝ ሂቡ ኣሎ።

ብሰንበት ኣብ ልዕሊ ቤተ መንግስቲ ብራዚል ዝተራእየ መጥቃዕቲ ብብዙሕ መዳያቱ፡ ነቲ ኣብ ኣመሪካ ብ6 ጥሪ 2021 ብደገፍቲ ዶናልድ ትራምፕ ዘጋጠመ ዕግርግር ዘዘኻኽር’ዩ። እንተዀነ እቲ ቀንዲ ፍልልይ፡ ብራዚላውያን ኣባላት ባይቶ እታ ሃገር ኣብ ዘይነበሩሉ እዋን፡ ብሰንበት’ዮም ነቲ መጥቃዕቲ ፈጺሞም።

ፕረዚደንት ብራዚል ሉላ ዳ ሲልቫ ዝሓለፈ ሰሙን ቃለ-ማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ ንውጽኢት እቲ ምርጫ ክቃወም ዝጸንሐ፡ ዓቃባዊ መርገጺ ዘለዎ፡ ጃኤር ቦልሶናሮ፡ ክልተ መዓልታት ቅድሚ’ቲ ጽንብል ንኣመሪካ’ዩ መጺኡ። ዛጊት’ውን እቲ ፕረዚደንት ነበር ኣብ ኣመሪካ ከም ዘሎ’ዩ ዝፍለጥ። ብዛዕባ ናይ ትማሊ ፍጻመ ግን ክሳብ ሕጂ ወግዓዊ ቃል ኣይሃበን።

ነዚ ትማሊ ኣብ ብራዚል ዘጋጠመ መጥቃዕቲ ሓያሎ መራሕቲ ሃገራትን ሓለፍቲ ትካላትን ኣትሪሮም ኰኒኖሞ ኣለዉ። ካብ መንጎ’ቶም ነቲ ተግባር ብትሪ ዝተቓወሙ ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ቻንስለር ጀርመንን ፕረዚደንት ሜክሲኮን ይርከቡዎም።

XS
SM
MD
LG