ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ሰልፈኛታት ስሪላንካ ፕረዚደንት'ታ ሃገር ካብ መዝነቱ ክወርድ ይጠልቡ


ኣብ እዋን ተቓውሞ ዝተቓጸለት ኣውቶቡስ

ኣብ ስሪላንካ ንሰሙናት ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሃገር ማሂንዳ ራጃፓስካ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምውራዱ፡ ሓዉ ዝዀነ ፕረዚደንት እታ ሃገር’ውን ካብ መዝነቱ ንኽወርድ ዝጠልብ ሰላማዊ ሰልፊ ይቕጽል ኣሎ።

ቀዳማይ ሚኒስተር ራጃፓሽካ ካብ ስልጣኑ ምውራዱ ዝሕብር ዜና ብትዊተር ድሕሪ ምግላጹ፡ ደገፍቱ ኣብ ልዕሊ’ቶም ሰላማዊ ሰልፊ ዝገብሩ ዜጋታት’ውን ሓደጋ ኣውሪዶም’ዮም።

ፕረዚደንት ጎታብያ ራጃፓስካ ግን ካብ ስልጣኑ ከም ዘይውርድ ሎሚ ድሕሪ ምፍላጡ እቲ ዕግርግር ቀጺሉ ኣሎ።

ብዋሕዲ ናይ ወጻኢ ሸርፊ እትሳቐ ዘላ ስሪላንካ፡ ብስእነት መሰረታዊ ቀረባት ካብ እትጽገም ነዊሕ ገይሩ’ዩ። ህዝባዊ ማዕበላት ነቲ ዝወርድ ዘሎ ጸገማት ብሰንኪ ፖለቲካዊ መሪሕነት’ዩ ዝብል እምነት'ዩ ዘለዎም።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG