ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ቀዳማይ ሚኒስተር ስሪላንካ ስልጣኑ ይለቅቕ


ቀ/ሚ ስሪላንካ ማሂንዳ ራጃፓስካ - ፋይል

ኣብታ ብቝጠባዊ ጸገማት እትሕመስ ዘላ ስሪላንካ፡ ነቲ ዝካይድ ዘሎ ሰፋሕቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ንምዕጋት ፕረዚደንት እታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ።

እንተዀነ ኣብ መንጎ ደገፍቲ መንግስቲን ሰልፈኛታትን ብዝተኻየደ ጎንጺ፡ ንሰላማውያን ሰባት ድሕሪ ምጕድኡ፡ ተቓወምቲ፡ ፕረዚደንት ጎታብያ ራጃፓስካን ሓዉ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ራጃፓስካን ካብ ስልጣን ክወርዱ ይጽውዕ ኣሎ።

ነቲ ሰሙን ዝቐጸለ ሰላማዊ ሰልፊ ስዒቡ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሂንዳ ራጃፓስካ ካብ ስልጣኑ ከም ዝወረደ ሎሚ ሰኑይ ብደብዳበ ኣፍሊጡ። ፖሊስ እታ ሃገር እዋን ሰዓት እቶ-እቶ ኣዊጁ ኣሎ።

ርእይቶታት ንምርኣይ

XS
SM
MD
LG