ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ርእይቶ ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮም


ርእይቶ ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮም
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:36 0:00

ርእይቶ ነበርቲ ከተማ ኮምቦልቻ ኣብ ህልው ኩነታት ሃገሮም

ኢትዮጵያውያን ዝሓለፈ ሰንበት ምጅማር ሓዲሽ ዓመት ኣኽቢሮም። ኣብቲ ከባቢ ዝደገሰ ግጭት ግን ሰዓት ሕላፍ ኔሩ። እንተኾነ ዘተ-ሰላም ዳግም ይጅመር`ዶ ዝብል ተስፋ`ውን ይርኣይ ኣሎ።

ምቕባል ሓዲሽ ዓመት ኣብታ ካብቲ ግጭት ዝካየደሉ ዘሎ ከባብታት 120 ኪ.ሜ ርሒቓ ትርከብ ከተማ ኮምቦልቻ`ውን ትሑት ኣይነበረን። መብዛሕቲኦም ንድምጺ ኣመሪካ ዝተዛረቡ ነበርቲ፡ ሰላም ናብ ሃገሮም ቀልጢፉ ክምለስ ተስፋ ይገብሩ። እንተኾነ ኲናት ኣብታ ከተምኦም ከይቅጽል`ውን ገና ይሰግኡ።

ብሰንኪ ኣብቲ ከባቢ ዘሎ ግጭት ኣብታ ከተማ ሕላፍ ሰዓት(ሰዓታት እቶ እቶ) ተነቢሩ`ሎ። እዚ ድማ ነቲ ጽንብላት ሓዲሽ ዓመት ምሉእ ንከይከውን ጌሩ`ዩ። ኣብ ደሴ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ጊዮርግስ ዝነበረ ኤልያስ ኣባተ፡ ኣመንቲ ቀልጢፎም ናብ ቤቶም ክምለሱ ኔርዎም ይብል።

“እቲ ለይቲ ዝግበር ቅዳሴ ከምቲ ናይ ቀደም ክግበር ኣይተኻእለን። ሕጊ ክነኽብር ኣለና። ስለዚ ቀልጢፍና ኢና ወዲእና። ስለዚ ኣመንቲ ብምኽንያት ሕላፍ ሰዓት ብእዋኑ ናብ ገዝኦም ክምለሱ ኣለዎም።”

ገለ ክልተ ሰዓት ቅድሚ`ቲ ሰዓት እቶ እቶ፡ ጽርግያታት ገና ምሉእ`ዩ ኔሩ። ድሕሪኡ ግን ባዶ። ፖሊስ ነቶም ነቲ ሓዲሽ መምርሒ ዘየኽበሩ ደው ኣቢሎም ይሓትዎም።

ከዲር ሰይፉ መግቢ ዝሸይጥ ነጋዳይ`ዩ፡“ብምኽንያት ሕላፍ ሰዓት ኩሉ ሰብ ሰዓት 7:00 ምሸት ገዝኡ ክኣቱ ኣለዎ። ሰዓት 8:00 ምሸት ምንቅስቓስ ጠጠው ከብሉ ኣለዎም። ድራር ክነቕርብ ስለዘይክኣልና ዕዳጋና ጎዲሉ`ሎ። ብርግጽ ከምቀደም ኣይኮነን።”

ኮምቦልቻ ዝሓለፈ ዓመት ብሓይልታት ትግራይ ተታሒዛ ኔራ`ያ። ድሓር ግን ብሓይልታት መንግስትን ሓይልታት ኣምሓራን ተደፊኦም ወጺኦም።

ዝሓለፈ ሰሙናት`ውን ኣብቲ ከባቢ ኲናት ምስ ደገሰ፡ ሰባት ገንዘቦም ከውጽኡ ኣብ ባንክታት ተሰሪዖም ኔሮም። ክሃድሙ`ውን ፈቲኖም ኔሮም።

ነባሪ ኮምቦልቻ ደሲየ ኣስረስ ከምዚ ይብል፡“ሰባት ገንዘቦም ከውጽኡ ኣብ ንግዲ ባንኪ ነዊሕ መስርዕ ሒዞም ኔሮም`ዮም። መብዛሕቲኦም ካብተን ዝተታሕዛን ንሰሜን ዘለዋን ከተማታት ዝመጹ`ዮም።ገንዘቦም ዘውጽእዎ ኣብኡ ክጸንሑ ወይ ንደቡብ ናብታ ትቕጽል ከተማ ንክኸዱ ንመግቢ ወይ ንመሕደሪ ወይ ንመጎዓዝያ`ዩ።"

ነበርቲ ንሰላም ዘለዎም ተስፋ ክማላኣሎም ይኽእል ይኸውን። ኣብ መዓልቲ ሓዲሽ ዓመት ኢትዮጵያ፡ ቤት ጽሕፈት ጉዳያት ወጻኢ ክልል ትግራይ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ንዘተ ሰላም፡ ሰባት ከምዝመዘዘን፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ዝሽምገል ልዝብ ንምስታፍ ቅሩብ ምዃኑን ኣፍሊጡ`ሎ፡እዚ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ወገናት ምስምማዕ ከሊኡ ዝጸንሐ ነጥቢ'ዩ።

ህዝቢ ኣብ ሓዲሽ ዓመት 2015 ዝምነዮ ነገራት እንታይ ይኸውን ዝብል ሕቶ ዝቐረበሎም መልኣከ ሰላም ቆሞስ ኣባ ሳሙኤል፡ ከምዚ ዝስዕብ ኢሎም።

“ህዝቢ ናይ ተስፋ ብርሃን ክረክብ ተስፋ ንገብር፡ ንቃላት ኣምላኽ ኢና ንሰብኽ። ጸገማት ከምዘሎ ንፈልጥ ኢና። ኣብ 2015 ግን ኣምላኽ ንኹሉ ጽቡቕ ክገብሮ ተስፋ ንገብር። ኣምላኽ ጥራይ`ዩ ክሕግዘና ዝኽእል።”

ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ዳርጋ ክልተ ዓመት ኣቑጺሩ`ሎ። ኣብ በልጅም ዝርከብ ጊነት ዩኒቨርሲቲ፡በቲ ግጭት ዳርጋ ፍርቂ ሚልየን ሰባት ከምዝሃለቑ ይግምት።

XS
SM
MD
LG