ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ምህዞ ትካል ቴክኖሎጂ ኤም ኣይ ቲ መቐለ


ምህዞ ትካል ቴክኖሎጂ ኤም ኣይ ቲ መቐለ
please wait

No media source currently available

0:00 0:07:31 0:00

ምህዞ ትካል ቴክኖሎጂ ኤም ኣይ ቲ መቐለ

ኣብ መቐለ ኤም ኣይ ቲ ዝምሃሩ ተምሃሮ ዝተፈላለዩ ምህዞታት ኣብ ምምሃዝ ይርከቡ። ትካል ቴክኖሎጂ መቀለ ብኣይተ ኣርኣያ ዘሪሁን ዝተጣየሸ ኣብ ትግራይ 12 ክፍሊ ብሄራዊ ፈተና ወሲዶም ፀብለልታ ካብ ዘርኣዩ ተማሃሮ ዳግም መእተዊ ፈተና ተፈቲኖም ዝምሃሩሉ ማእከል እዩ።

ኤም ኣይ ቲ መቀለ ሎሚ ሓደ ጨንፈር ዩኒቨርስቲ መቀለ ኮይኑ እዩ ዝመሓደር ዘሎ ኮይኑ ብመሰረት እዚ ገለ ምህዞ ተማሃሮን መምህራንን ንምርካብ ናብቲ ማእከል ተንቀሳቂሰ ነይረ።

መንእሰይ ፊሊሞን ሃይለ ኣተሓባባሪ ማእከል ዓይኒ ሮቦት “ ኣብዚ ናትና ማእከል ንሮቦት ናብ ስራሕ ናይ ምእታው ዋኒን እዩ ሒዝና ዘለና። ካብ ቻይና መፃወቲ ቆልዑ ዝነበሩ ሮቦታት ሪሞቶም ሃክ ብምግባር ካሜራ ገጢምና ኩዕሶ በየን ከምዝላ ርእዮምን ተቆፃፂሮምን ጎል ንምእታው ዝክእሉ ሮቦት ኢና ሰሪሕና።”

መንእሰይ ፊሊሞን ሃይሉ ንመጻኢ ካብዚኦም ዝበለፁ ኣብዛ ሃገር ዓብይ እጃም ዘለዎም ኣብ ሕክምና፣ ምፍታሽ ፈንጅን ካልእን ዝነጥፉ ምስ ተማሃሮ ብምኳን ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

ብተማሃሮ ትካል ቴክኖሎጂ ኤምኣይቲ መቐለ ዝተማህዞ ሮቦት
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:49 0:00

መንእሰይ ሓለፎም ብወገኑ” ኣብቲ ማእከል ሓላፍነተይ ምምዕባል ሶፍትዌር እዩ። ብመሰረት እዚ ገና ተማሃራይ ሓሙሻይ ዓመትና እናሃለና ምስ መሓዛይ ዳዊት ፍስሃ ኮይና ኢና ምምዕባል ሶፍትዌር ስራሓትና ዝጀመርና።”

እዚ ሕዚ ኣብ ስራሕ ክውዕል ተዳሊዩ ዘሎ ሶፍት ዌር ኣብ ክልል ትግራይ ዘለዉ ዕጥቅታት ወይ መሳርያታት ብዝግባእ ብምምዝጋብ ስርዓት የትሕዝ። ኣብ ሕጋውን ዘይሕጋውን ዕጥቃታት ምፍላይ ይሕግዝ። ኮድ መሳርያ እንድሕር ሂቡካ ምሉእ ሓበሬታ ስለዝህበካ ዝተመዝገበ ሕጋዊ ዕጥቂ ተኮይኑ ትረክቦ፤ ዘይተመዝገበ እንድሕር ኮይኑ ድማ ትስእኖ ይብል።

ዛጊት እዚ ሶፍት ዌር ንዝምልክቶ ተሓቢሩ ናብ ተግባር ዘእትው ስልጠና ሂብና ኣለና። ደጊም ካብኡ ዝድለ ዕማም ክዓምም ኣብ ምድላው እዩ ዝርከብ ክብል ይብል መንእሰይ ሓለፎም የረድእ።

XS
SM
MD
LG